top
logo

ሕትመታት

ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ

ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ንምብሳር ምኽፋል ግብሪ ምኽንያት ብምግባር መነቓቕሒ ፌስቲቫል ስፖርታዊ ውድድር ኣካይዱ

ሓምለ 1 ብዕሊ ንዝጅመር ምኽፋል ግብሪ ንምብሳር ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ምስ ሞሃ ልስሉስ መስተ ብምትሕብባር ኣብ ከተማ መቐለ “ሰናይ ምምሕዳር ንህንፀት ልምዓት ስርዓት ግብርን ንግድን” ብዝብል መሪሕ ቃል ናይ ሰለስተ መዓልቲ ፌስቲቫል ስፖርታዊ ውድድር ጉያ፣ሳይክልን ኩዕሶ እግርን ተኻይዱ።


ኣብቲ ስፖርታዊ ውድድር ጉያ ዝተሳተፉ በቢፆትኡ መሰረት ገይሩ ስሩዓት ኣትሌታትን፣መንግስቲ ሰራሕተኛታትን ተወዳዲሮም መተባብዒ ሽልማት ረኺቦምን እዮም። ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ መንግስቲ ሰራሕተኛን ነጋዳይን ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዝተኻየደ እንትኸውን ምስዚ ብተዛማዲ ድማ ናይ ሳይክል ውድድር ብምክያድ ኣብ መወዳእታ ንብሉፃት ተወዳደርቲ መተባብዒ ሽልማት ተዋሂቡ እዩ።

ኣብቲ ፌስቲቫል ስፖርታዊ ውድድር ተረኺቦም ሽልማት ዝሃቡን መደረ ዘስምዑን ሓላፊ ልምዓት እቶት ዞባ መቐለ ኣይተ መኮነን ኣስፋው ዕላማ እቲ ስፖርታዊ ፌስቲቫል እንትገልፁ፤ እቲ ተኻይዱ ዘሎ ውዑይ ስፖርታዊ ውድድር ኣብ ማሕበረሰብ ንግዲ ከም መነቓቕሕን መበሰርን ኮይኑ ኩሉ ነጋዳይ ማሕበረሰብ እቲ ብምንግስቲ ዝተወሰነሉ ፍትሓውን ተመጣጣንን ግብሪ ብእዋኑ ብሰልፍን ጓይላን ዓጂቡ ንክኸፍል’ዩ። እዚ ፌስቲቫል ውድድር “ሰናይ ምምሕዳር ንህንፀት ልምዓታዊ ስርዓት ግብርን “ዝብል መሪሕ ቃል ከም ዝሕብሮ መንግስቲ ገንዘብ ንምእካብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሕብረተሰብ ግንዛበን ኣፍልጦን ፈጢርካ ብእዋኑን ብዓርሰ ተበግሶን ግብሪ ናይ ምኽፋል ስርዓት ንምትካል ምስ’ዚ ጎናጎኒ እውን ስራሕቲ ሕድሳት ንግዲ ፍቓድን ሓቢሩ ከም ዝስራሕ ገሊፆም።

 

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ኩሉ ዓይነት ስፖርት ኣሸነፍቲ ንዝኾኑ ብሉፃት ስፖርተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን መተባብዒ ሽልማት ብምሃብ እቲ ፌስቲቫል ስፖርታዊ ውድድር ብዓወት ተዛዚሙ እዩ።

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

April 2018
1234567
891011121314
15161718192021
22232425262728
2930

በዝሒ ጎብነይቲ

051930
ሎምዓንቲሎምዓንቲ35
ትማሊትማሊ47
ኣብዚ  ሰሙንኣብዚ ሰሙን19
ኣብዚ ወርሒኣብዚ ወርሒ1159
ጠቕላላ ክሳብ ሐዚጠቕላላ ክሳብ ሐዚ51930

We have 72 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved