top
logo

ሕትመታት

ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2008 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2008 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2008 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ሪፎርምታት ግብርን ታክስን ንምትግባርን ንምዕዋትን ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዘሳልጥዎ ቅንያት ግብሪ ሓበራዊ መድረኽ ምኽክር ዘተ
ክረምታዊ መደባት
ቅድመ ምድላው ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 2008/9 በጀት ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን መድረክ እተሳልጥ!

 

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ምኽፋል ግብሪ ሓምለ-1/2008/9 ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ብውዑይ መንፈስ ከም ዝተጀመረ ኣፍሊጡ፤

ፌስቲቫል ምብሳር ምኽፋል ግብሪ ሓምለ 1/2008/9 ኣብ ክፍለ ከተማታት መቐለን ካልኦት ከተማታትን ወረዳታትን ኣብ ግልጋሎት መውሃቢ ማእኸላት ዳሳት ብምስራሕ ብጓይላ፣ፌስታን ካልኦት ምርኢታትን ተዓጂቡ ተኸቢሩ እዩ። ኣመራርሓ ውድብን መንግስትን ኣብያተ  ዕዮ ክልል፣ ዞባታትን ወረዳታትን ኣብቶም መድረኻት ተረኺቦም ምኽፋል ግብርን ታክስን ኣመልኪቶም መኽፈቲ መደረ ብዕሊ ምስ ኣበሲሩ ኣብ ኩለን ማእኸላት እቲ ምኽፋል ግብሪ ብስሉጥ ግልጋሎት ተኻይዱ እዩ።

 

ኣብ ክፍለ ከተማ ሓድነት ተረኺቦም መኽፈቲ መደረ ዘቕረቡ ሓላፊ ቢሮ ፋይናንስን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ኣይተ ብርሃነ ፅጋብ እንትገልፁ እቲ ሕዚ መንግስቲ ንክልልና 10.6 ቢልዮን ብር በጀት ተሰሊዑ ዘሎ ካብ ባንኪ ዘይኮነስ ንዓኹምን ንህዝቢ ትግራይን ኣሚኑ እዩ። ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ንመሰረተ ልምዓት፣ማሕበራዊ ግልጋሎትን ካልኦት ግልጋሎታትን ዝውዕል ፍትሓውን ተመጣጣንን ግብሪ ንምኽፋል ንድሕሪት ኣይብልን፣ ምኽንያቱ ኣብ ቃልሲ ህወሓት ሂወቱን ሂወት ውላዱን  ብታሕጓስን ጓይላን ዝሃበ ህዝቢ ፤ ሕዚ ኣብ ልምዓት ዝውዕል ገንዘብ ምኽፋል ብሳዕስዒትን ፌስታን ከም ዝደግሞ፣እቲ ሰራሒ ጀግንነት ህዝቢ ኣብ ምጥፋእ ድኽነት’ውን ጅግና ከም ዝኾነ እንኣምነሉን እንኮርዐሉን ህዝቢ እዩ ኢሎም።

 

ምስዚ ብተዛማዲ ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ዝተረኸባ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ወ/ሮ ምሕረት በየነ ከም ዝበልኦ ድማ ክልልና ንሪፎርምታት ግብርን ታክስን ተግባራዊ ብምግባር ብኣተሓሳስባ፣ክእለትን ፍልጠትን ዝበቕዐ ሰራዊት ብምውናን ኩሉ በቢ ውዳብኡ ዘፈር ማሕበራት፣መዳርግቲ ኣካላት፣ማሕበረሰብ ንግዲን ውዳበታትን ውዑይ ቃልሲ ብምክያድ ግብርን ታክስን ዝሓሸ ግንዛበን ፍልጠትን  ብምፍጣር ውሽጣዊ ዓቕምታትና ዘፈልፈሎ ተመጣጣንን ፍትሓውን ግብርን ኣብ ምእካብ ውፅኢታዊ ስራሕ ከም ዝተሰርሐ ኣፍሊጠን።

 

ብተወሳኺ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት መቐለ እናተረኸቡ ትዕዝብቲ ዘካየዱ ከንቲባ መቐለ ኣይተ ዳኒኤል ኣሰፋ ከም ዝበልዎ ድማ እቲ ባሕቲ ገንዛብ ኣይወፅእን ዝብል ዝነበረ ድሑር ባህሊ ተሰይሩ ኩሉ ሕብረተሰብ ኣብቲ ምኽፋል ግብሪ ተረኺቡ ዝተወሰነሉ ተመጣጣንን ፍትሓውን ግብሪ ብታሕጓስን ጓይላን ይኸፍል ከም ዘሎ ገሊፆም።

 

ኣብቶም ናይ ፌስቲቫል መድረኻት ዝተረኸቡን ብእዋኑ ዝተወሰነሎም ግብርን ታክስን እናኸፈሉ ካብ ዘዘራረብናዮም ከፈልቲ ግብሪ ዝሃቡና ርኢቶ ኣታዊና መሰረት ዝገበረ መጠን ግብሪ ብክኢላታት 2 ግዜን ልዕሊኡን ፅንዓት ተገይሩ ኣብ ናይ ዝተፈላለዩ ውዳበታትን ህዝብን መድረኻት ርኢቶ ከም ዝተውሃበ ኣብ ዝተፈላለዩ መለጠፊ ማእኸላት ተለጢፉ ኩሉ ህዝቢ ዝተወሰነሉ መጠን ግብሪ ክሪኦን ክፈልጦን ተገይሩ እዩ። ስለዚ እዚ ዝኸፍልዎ ዘለዉ ግብሪ ንልምዓታውን ዲሞክራሲያውን ምንቅስቓስ ዝውዕል ፍትሓውን ተመጣጣንን ግብሪ ከም ዝኾነን ግብሪ ብምኽፋሎም ሕጉሳት ከም ዝኾኑን ሓቢሮም

 

 

 

ደ/ከ/ስ/ርክብ ህዝቢ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

August 2017
12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
2728293031

በዝሒ ጎብነይቲ

039334
ሎምዓንቲሎምዓንቲ54
ትማሊትማሊ47
ኣብዚ  ሰሙንኣብዚ ሰሙን242
ኣብዚ ወርሒኣብዚ ወርሒ1000
ጠቕላላ ክሳብ ሐዚጠቕላላ ክሳብ ሐዚ39334

We have 45 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved