top
logo

ሕትመታት

ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ

ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ምኽፋል ግብሪ 2008/9 ዓ/ም ኣብ ኣካራይ ተካራይ ብርኪ ሐ ነጋዶን ኣብ ውሽጢ 4 መዓልቲ 100% ኣኽፊሎም ከም ዝዛዘሙ ተገሊፁ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ራያ ዓዘቦ ካብ ክልል መበገሲ ትልሚ ብምውሳድ ነቲ ዝወፅአ ትልሚ ምስ ህዝቢን ምምሕዳርን እታ ወረዳ ብዘሳትፍ መልክዑ ኣብ 5 ዕሸል ከተማታትን  መኾንን ሓዊሱ ክመያየጥሉም ክረዳድኡሉን ድሕሪ ምግባር ካብ 1634 ብርኪ ሐ ነጋዶ 1.5 ሚልዮን ብር፣ ካብ ኣካራይ ተካራይ 1183 ዝኣክል 2.6 ሚልዮን ብር ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ክእከብ ትልሚ ዝወፅ እንትኾን ነዚ መሰረት ድማ ሓምለ 1 ምእካብ ግብሪ ብሰልፊን ጓይላን ዕልልታን ዝተፈላለዩ ምርኢታትን ደሚቑ ናይ ሪቫን ምቑራፅ ስነ-ስርዓት ተበሲሩ ናይቲ ሓጋይ መመላእታ ክስረሐሉ ዝፀንሐ ውፅኢት ኣብ ውሽጢ 4 መዓልቲ ኣብ ዝሓፀረ እዋን 100%  ግብሪ  ኣኽፊሎም ከም ዝዛዘሙ  ኣመሓዳሪ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣይተ ክፍሎም ሃይለ ገሊፆም።

 

 

ምስ እዚ ብተዛማዲ ኣብ 4 ማዓልቲ 100%  ኣኽፊሎም  ንክውድኡ ዝገበርዎም  ፃዕሪታት ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዕት እቶት ወረዳ ራያ ዓዘቦ  ኣይተ ካሕሱ ድበሎእንትገልፁ ድማ፦ ፈለማ ምስ መዳርግቲ ኣከላት ዝበሃሉ ተዋዲድና ብምስራሕን ሕድሕድ ዕሸሽል ከተማታት መድረኽ እናተዳለወለን ከም ክመያየጥሉ እናተገበረ፣1 ን2ን ዙር መፅናዕቲ መድረኽ እናተገበረሉ፣ቅድሚ ግበሪ ውሳነ ምፍላጥ እቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ርኢቶ ክህበሉን ንእገለ ይበዝሖ ንእገለ ይውሕዶ እናተብሃለ፣ ን500 ነጋዶ  መድረኽ ካብ ዞባን ክልልን ሓለፍቲ እቶትን ንግዲ ቻምበራትን ዝተረኸብሉ መድረኽ ኣዳሊኻ ነቶም ልምዓታውያን ነጋዶ ብምሽላም ኣብ ሓደ መረዳድኢ ክብፃሕ ምኽኣሉ፣ምስ ክልልን ዞባን ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ጥቡቕ ዝኾነ ክትትልን ደገፍን ምኽያድ፣ በቲ ወረዳ ምምሕዳር ብፋይናንስን ትራንስፖርትን ቀረብን ሓገዝ ተገይርልና ነዚ ድማ ብቀረባ ኣማሓዳሪ ወረዳ ብዝመርሖ ኣብ ኩለን መድረኻትናን ምንቅስቓስን እቲ ኮማንድ ፖስት እናገምገመን ምካዱ፣ ቀንዲ ዓንዲ ሕቖ ኮይንና ዝሓገየ ልምዓት ጉጅለ ብዝገበርኦ ጠንኪረን  ናብ ሓደ ተመጣጣናይ መንገዲ ዝመፃሉ ተፈጢሩ ኩለን ግብሪ ውሳንአን ባዕለን እናተመያየጣን ነቲ ዝወፁ  ናይቲ ቤት ፅሕፈት ግበሪ ውሳነ ባዕለን ሪኢቶ ከዕርፋሉ እናተገበረ ዝርዝር ግበሪ ውሳነአን ግንቦት 30 ተለጢፉለን ሕድሕድ ግብሪ ከፋሊ በቲ ውዳብኡ ኣቢሉን ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ 59 ልምዓት ጉጅለ 39 ልምዓት ጉጅለ በቲ ውዳብአን ኣመራርሓ ኣቢለን ብሓደ ግዜ ከፊለን ዝወድኣሉ ነይሩ፣ እቲ ሰራሕተኛ እውን ደኪሙኒ ከይበለ  ክሳብ 3፡00 ሰዓት ናይ ምሸት እናምሰየ ይሰርሑን ውዕለኦም ይግምግምን ምዃኖምን  እዩ። ነዚ ኩሉ ኣስተዋፅኦ ዝተገበረ ፃዕሪ እናመስገንኩ ኣብ ውሽጢ 4 መዓልቲ 100%  ኣክፊልና ክንዕወት ዝገበርናዮ ፃዕሪ ህዝቢ  ሒዝና ብምስራሕና  ይብሉ  ሓላፊ ቤትፅሕፈት ልምዓት እቶት  ራያ ዓዞቦ  ኣይተ ካሕሱ ድበሎ ።

 

 ብተወሳኺ ኣብ ከፈልቲ ግብሪ እነታይ ይመስል ንዝብል ተዘዋዊርና ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዘዘራረብናዮም ወ/ሮ ሸጉ ገ/ሂወት ካብ ኣካራይ ተካራይ ከም’ውን ካብ ብርኪ ሐ ነጋዶን  ዝሃቡና ርኢቶ ኣብ ምብሳር ምኽፋል ግበሪ መድረኽ ዝነበረ ኩነታት እንትገልፁ ብዕልልታ፣ ሁራን፣ ሰልፍ፣ ባንዴራታትን ሕብሽትታትን ተዓጂቦም ንሃገሮምን ባዕሎምን ረብሓ ዝውዕል ምዃኑ ተረዲኡም ተመጣጣናይን ፍትሓዊ ኣወሳስና ግበሪ ምንባሩ ኣብቲ ከይዲ ብዘይ ሓደ ፀገማት እናከፈለ ከም ዝወዓለን ካብቶም ገለ ከፈልቲ ግበሪ ዘዘራረብናዮም ዝሃቡና ርኢቶ እዩ።

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

October 2017
1234567
891011121314
15161718192021
22232425262728
293031

በዝሒ ጎብነይቲ

041986
ሎምዓንቲሎምዓንቲ11
ትማሊትማሊ43
ኣብዚ  ሰሙንኣብዚ ሰሙን308
ኣብዚ ወርሒኣብዚ ወርሒ535
ጠቕላላ ክሳብ ሐዚጠቕላላ ክሳብ ሐዚ41986

We have 26 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved