top
logo

ሕትመታት

ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ደረጃ ሀን ለን ከፈልቲ ግብሪ ኣመልኪቱ ንሰራሕተኛታት ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት መብርሂ ሂቡ።

ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ነሓሰ 2008 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ኦሬንቴሽን መደብ ኣፈፃፅማ ደረጃ ሀንለን ከፈልቲ ግበሪ ብዝምልከት ንሓለፍትን ክኢላታትን ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳታት፣ ከተማታትን ዞባታትን ኣብ ዝተረኸብሉ ናይ ሕሉፍ ዓመት ገምጋም ኣፈፃፅማ ብሉፃት ተሞኩሮታት ጥንካረታትን ድኽመታትን ብዝርዝር ቀሪቡ እዩ። ብፍላይ ምስ ኣፈፃፅማ ኦዲት ስትራተጂ ሒሳብ መዛግብቲ ዝተተሓሓዘ እተን ዝበዝሓ ወረዳታትን ከተማታትን ክልልና ልዕሊ 90 ምኢታዊ ኣፈፃፅማ እንትህልወን ከተማ ማይጨውን ክፍለ ከተማታት ቀዳማይ ወያነን ሰሜንን ድማ ኣብ ዓዲ 60 ምኢታዊ ከም ዝኾነ ብዝርዝር ቀሪቡ እዩ። እቶም ኦዲት ዘይተገበረሎም ሒሳብ መዛግብቲ ኣብ ቀፃሊ በጀት ዓመት ዘለና ሓይሊ ሰብን ግዜን ፀንቂቕና ብምጥቃም ናብ ዝተመጣጠነ ብርኪ ክነብፅሖ ከም ዝግባእ ላዕለዋይ ክኢላ ኣወሳስና ግብርን ክትትልን በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣይተ ሙሉብርሃን ሃ/ማርያም ገሊፆም።

ብተዛማዲ ብሉፅ ተሞክሮ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ኣፈፃፅማ ከፈልቲ ግብሪ ደረጃ ሐ ነጋዶን መካረይትን ከም ተሞክሮ ኣብ ደረጃ ሀን ለን ብመፅር ምድላውን ምኽላስን ዘስርሕ ትልሚ፣ ኣብ ህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት ግብሪ ምስ ምድላው ፈፀምቲ ሓይልታት ዝተተሓሓዘ ኣብ ፍልጠት፣ ክእለትን ተወፋይነትን ዝመፀ ለውጢ፣ ኣብ ተግባር ምዕራፍ ድማ ተሳትፎ ህዝቢ ንምርግጋፅ ብልምዓት ጉጅለ፣ ድኣንትን ካልኦት ውዳበታትን ኣብ ፅንዓት፣ ውሳነን ምይይጥን ምኽፋል ፍትሓዊ ግብሪ ወሰንቲ ተግባራት ዝተሰርሑ ኮይኖም ሕድሕድ ተግባር ድማ ናይ ደገፍን ክትትልን መስርሕ ወፂሉ ከም ዞባ ብተመሳሳሊ ኣሰራርሓ ከም ዝተመርሐን ከም ተሞክሮ ኣብ ደረጃ ሀን ለን ክትግበር ከም ዝግባእን ኣማኻሪ ከተማታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ኣስመላሽ ረዳ ኣቕሪቦም እዮም።

ኣብቲ ዝቐረበ መብርሂ መሰረት ብምግባር ድማ ካብ ተሳተፍቲ ኣካላት ምስ ሕፅረት ሓይሊ ሰብ ዝተተሓሓዘ፣ ብዙሕ ዓመታት ዘቑፀሩ ውዙፋት ሒሳብ መዛግብቲ፣ ኣብቶም ዝተጠቓለሉ ኦዲት ስትራተጂታት ዘለዎም ፅሬት እንታይ ከም ዝመስል፣ ዞባታት ንከይዲ ምኽፋል ግብርን ታክስን ከም ውድብን መንግስትን ኣመራርሓ ከዕርፍሉ ከም ዝግባእ ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ርኢቶታትን ቀሪቦም እዮም። ነቶም ዝቐረቡ ሕቶታትን ርኢቶታትን መሰረት ብምግባር መጠቓለሊሓሳባትን ኣንፈት ኣፈፃፅምኡ ብዝተዋደደ ትልሚ ሓይሊ ሰብ ግዜን ብኣግባቡ ክንጥቀም ከም ዝግባእን ብምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣይተ ወ/ገብርኤል ኣፅብሃ መብራህርሂ ምስተውሃበ እቲ መድረኽ ብዓወት ተዛዚሙ እዩ።

                                   ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ

                                          በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

December 2017
12
3456789
10111213141516
17181920212223
24252627282930
31

በዝሒ ጎብነይቲ

045421
ሎምዓንቲሎምዓንቲ9
ትማሊትማሊ63
ኣብዚ  ሰሙንኣብዚ ሰሙን379
ኣብዚ ወርሒኣብዚ ወርሒ899
ጠቕላላ ክሳብ ሐዚጠቕላላ ክሳብ ሐዚ45421

We have 13 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved