top
logo

ሕትመታት

ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2008 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2008 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2008 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ሪፎርምታት ግብርን ታክስን ንምትግባርን ንምዕዋትን ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዘሳልጥዎ ቅንያት ግብሪ ሓበራዊ መድረኽ ምኽክር ዘተ
ክረምታዊ መደባት
ቅድመ ምድላው ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 2008/9 በጀት ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን መድረክ እተሳልጥ!

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2008 በጀት ዓመት ዕዙዝ

ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ፤

 

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ በቢ ዓመቱ ካብ ወረዳታት፣ ከተማታትን ክፍለ ከተማታትን ስርዓት ምምሕዳር ግብርን ታክስን ብምትግባር፤ ኣብ ምርግጋፅ ዘላቂ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ተመዝጊቦምን እናተመዝገቡን ዘለው ዓወታትን ጭቡጣት ለውጥታትን መሰረት ብምግባር ነዚ ኣብ ምትግባር ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣመራርሓን፣ ኣብያተ ፅሕፈትን ውልቀ ፈፀምትን በቢዓመቱ መድረኽ ሽልማት ብምድላው ንቡሉፃት ሃርበኛታት ልምዓት እናተባብዐን ኣፍልጦ እናሃበን ከም ዝመፀ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ወ/ሮ ምሕረት በየነ ኣገንዚበን።እዚ ናይ ሎሚዘበን መድረኽ ንክራይ ኣካብነት ብትረት ብምቅላስ ስርዓት ግብርን ታክስን ፍልፍል ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ክንገብሮ ኢና ብዝብል ቴማ ልምዓታውነት ብምስፋሕን ብምጉልባትን ቁጠባዊ ምዕባለ ክልልና ዘፈልፍሎ ኣታዊ ብምእካብ ዘላቒ ልምዓት ክልልና ንምቅልጣፍ ካብ ክልል ጀሚሩ ክሳብ መሓውር ወረዳታትን ከተማታትን ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት በቢ ዓመቱ ዝገበርናዮ ወያናይ ቃልሲ መደባትን ልምዓት እቶት ኣብ ምዕዋት ሓጋዚ ኮይኑ እዩ። በዓል መዚ ብዝተጠናኸረ መደባት ካልኣይ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ንምዕዋትን ህንፀት ልምዓት ሓይሊ ሰብ ንምጥንኻር ኣዋጃት፣ ደንብታትን መምርሕታትን ግብርን ታክስ ብዓርሰ ምምህሃር ኣቢሎም ዓቕሞምን ክእለቶምን ንምዕባይ ዝደጋገፉን መዓልታዊ ህንፀት ዘካይዱን ኮይኖም ፖለቲካዊ ዓቕሞም ብምዕባይ ናብ ሓበራዊ ኣተሓሳስባ ክእለትን ክምፁ ከም ዝኸኣሉ እተን ዋና ዳይሬክተር ገሊፀን።

 ኣብቲ መድረክ ዝተረኸቡ ኣቦ ወንበር ውድብና ህወሓትን ርእሰ ምምሕዳር ክልልናን ክቡር ኣይተ ኣባይ ወልዱ ብወገኖም ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ብውዳበኹም ተጠናኺርኩም እተሳልጥዎ ዘለኹም ስራሕቲ በቢ ደረጅኡ ዝርከብ መላእ ህዝብን ከፈልቲ ግብርን ዘሳተፈ ብምኻኑ መደባትኩም ክተዐውቱን ክተሳልጡን ምክኣልኩም ክትኾርዐሉ ዝግባእ ስራሕ እዩ ብምባል ሐዚ’ውን ኣብ ሃገርና ዘጋጥም ዘሎ ትምክሕትን ፀቢብነትን ብውዳበና ተጠናኺርና ክንሰርሐሉን ክንቃለሶን ይግባእ ክብሉ መልእክቶም ኣመሓላሊፎም።

 ላማ እዚ ሐዚ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ድማ ሽልማት ሃርበኛታት ልምዓት ኣፍልጦ ብምሃብን መደባት ካልኣይ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ሃገርናን ክልልናን መሰረት ብምግባር ኣመዝጊብናዮም ዘለና ዓወታትን ምዕባለታትን ኣብ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ርኡይ ምንቅስቓስን ፀብለልታን ንዝነበሮም ሰራሕተኛታት ምንቅስቓሶም ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ ዝሕግዝ እዩ። ካልኦት ድማ ካብዚ መድረኽ ሽልማት ተማሂሮም ዝጎድልዎም ኣሰራርሓታት፣ ክእለትን ዓቕምን ሪኦም ንቐፃሊ ኣብ መንጎ እዞም ኣካላት ወያናይ ንሕንሕን ሓቦን ብምፍጣር ብውፅኢት ስርሖም ተሸለምቲ ክኾኑ ዓሊሙ ዝተሳለጠ መድረኽ’ውን እዩ። ኣብ ከተማታት ዝርኣዩ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ክራይ ኣካብነት ፖለቲካል ኢኮኖሚ ብልምዓታዊ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ብምትካእ ሰናይ ምምሕዳርን ኣብ ምርግጋፅን ብቑዕ ምትሕብባር ዝገበሩ ኣብያተ ዕዮ፣ ብቑዕ ኣመራርሓ ዝሃቡ ዞባን መሓውራት ወረዳን ከተማን ብምሽላም መንግስቲ ንዝሓንፀፆም መደባት ልምዓት ኣብ ምዕዋት ርኡይ ፀብለልታ ንዝነበሮም ዕውታት ሓርበኛታት ልምዓት ውልቀ ፈፀምቲ ዓቕምታት ስቪል ሰርቫንት ኣፍልጦ ንምሃብ ዓሊሙ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ እዩ።

 መመዘኒ ረቛሕታት ተወዳደርቲ ኣካላት ልእኽትኦም መሰረት ዝገበረ ኮይኑ ብፍላይ ንኣብያተ ፅሕፈትን ውልቀ ፈፀምቲ ዓቕምታት ኣብ ቁልፊ መደብ ብቑዕ ማሕንቖታት ዘነፀረ፣ ትልሚ ብምድላው ፈፀምቲ ኣካላት ብብቕዓት ብምድላው ናብ ተግባር ክኣትው ዝገበረን ከም ውፅኢቱ ብድምር ኣብ ዓበይቲ ዝተትሓዙ መደባት ሽቶታት ልዕሊ 95 ሚኢታዊ ዝፈፀመን እዩ። ንዞባታት ድማ ብቐንዱ ካብ ምድላው ምዕራፍ ጀሚሩ ንሕድሕድ ወረዳን ከተማን ብቑዕ ናይ ደገፍን ክትትልን ስራሕቲ ብምፍፃም ናብ ዝተመጣጠነ ብርኪ ኣፈፃፅማ መደባት ክመፃ ብምግባር ከምኡ’ውን ኣብ ክረምታዊ መደባት ግብርን ታክስን ብቑዕ ምርድዳእ ብምፍጣር ውፅኢታዊ ስራሕ ክምዝገብ ዝገበሩ እዮም። ንመዳርግቲ ኣካላት፣ ደገፍትን መተሓባበርትን ኣካላት ንልኡኾም ማእኸል ዝገበረ መመዘኒ ረቛሕታት ብምድላውን ብምምዛንን 40.5 ሚኢታዊ ውልቀ ተሸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከባሉ ክሕረዩ ብምግባር ሽልማት ተበርኪቱሎም እዩ።

 

እቲ ሽልማት ንኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ብዝወፀ ረቛሒ መሰረት ብሰለስተ መንገዲ ዞባታት ብዝሃብዎ ነጥቢ፣ ብብርኪ በዓል መዚ ክልተ ግዜ ዝተኻየደ ሱፖርቪዥን ስርርዕን በብከይዲ ስርሑን ኬዝቲማትን ዓመት ምሉእ ዝተገበረ ድገፍን ክትትልን ንናይ ባዕሉ ዋጋ ብምሃብ ዝተፈፀመ እንትኸውን ኣብዚ ዓመት ዝተገበረ ኩለመደያዊ ምንቅስቓስ ምስ ናይ ክረምቲ መደባት ውፅኢት ብምትእስሳርን ኣብ ግምት ብምእታውን ዝተገበረ ስርርዕ እዩ።

ብብርኪ ክልል 6 ኣብያተ ዕዮን ኣካላት ሚድያን ዋንጫን ሰርቲፊኬትን፣ 4 ዞባታት ዋንጫን ሰርቲፊኬትን ምስ ሚኒ ላፕቶፕ፣ 8 ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማታትን ክፍለ ከተማታትን ደረጃ ኣፈፃፅምኦም ማእኸል ዝገበረ ዋንጫን ሰርቲፊኬትን፣ 12 ገፀር ወረዳታት ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ደረጃ ኣፈፃፅምኦም ማእኸል ዝገበረ ዋንጫን ሰርቲፊኬትን፣ 30 ክለባት ግብሪ ንልምዓት ንመወከሲ ክኾኑ ዝኽእሉ መፃሕፍቲ፣ 20 ልምዓት ጉጅለ ደኣንትን ደቂ ኣንስትዮን ዋንጫን ተርቲፊኬትን፣ 10 ብሉፅ ኣፈፃፅማ ዝነበሮም ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ዋንጫን ሰርቲፊኬትን ዝተሽለሙ ኮይኖም 20 ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ዝርከብዎም 202 ውልቀ ፈፀምቲ ዓቕምታት ድማ ኣብ ሰለስተ ደረጃ ማለት 50 ሰራሕተኛታት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ንዝተቐመጡ 5‚000 ብር ምስ ሰርቲፊኬት፣ ን76 ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝተቐመጡ 4‚000 ብር ምስ ሰርቲፊኬትን ከምኡ’ውን ን76 ብሳልሳይ ደረጃ ዝተቐመጡ ድማ 3‚000 ብር ምስ ሰርቲፊኬትን ክሽለሙ ተገይሩ እዩ ክብላ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ወ/ሮ ምሕረት በየነ ብተወኺ ግልፂ ገይረን።

ብተዛማዲ ተሳተፍቲ ኣካላት ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት 2008 በጀት ዓመት ብዕምቆት ዘካየዱ እንትኾኑ ቀፃሊ መደባት 2009 በጀት ዓመት ብዝርዝር ብምዝታይን ርኢቶታት ብምሃብን ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ዝተበፅሐ እንትኸውን ሐዚ ኣብ ሃገርና ዘጋጥም ዘሎ ትምክሕትን ፀቢብነትን ንምምካት ኣበርቲዖም ከም ዝሰርሑ ቃል ኣትዮም።

 

ብደጋፊ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ

 

 

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

June 2017
123
45678910
11121314151617
18192021222324
252627282930

በዝሒ ጎብነይቲ

036410
ሎምዓንቲሎምዓንቲ36
ትማሊትማሊ68
ኣብዚ  ሰሙንኣብዚ ሰሙን68
ኣብዚ ወርሒኣብዚ ወርሒ1804
ጠቕላላ ክሳብ ሐዚጠቕላላ ክሳብ ሐዚ36410

We have 11 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved