top
logo

ሕትመታት

ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2008 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2008 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2008 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ሪፎርምታት ግብርን ታክስን ንምትግባርን ንምዕዋትን ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዘሳልጥዎ ቅንያት ግብሪ ሓበራዊ መድረኽ ምኽክር ዘተ
ክረምታዊ መደባት
ቅድመ ምድላው ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 2008/9 በጀት ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን መድረክ እተሳልጥ!

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ንመሓውር ክኢላታት ወረዳታትን ከተማታትን ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ።

ሓደሽቲ ኣዋጃት ኣታዊ ግብርን ምምሕዳርን ግብርን፣ ስርዓት ኣወሳስና ግብርን ኣተኣላልያ ቅሬታን ይግበአንን፣ ምሓዝ ሃፍትን ምምሕዳራዊ መቅፃዕትን መሰረት ብምግባር ንመሓውር ክኢላታት ኣተኣኻኽባ እቶትን ክትትልን፣ ንትምህርትን ስልጠናን ግልጋሎት ዓማዊልን ንፍሉይ ኦዲተራትን ኣብ ከተማ ኣክሱም ካብ ዕለት 13 ክሳብ 17/04/2009 በጀት ዓመት ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና ከም ዝሃበ ምኽትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣይተ ወ/ገብርኤል ኣፅብሃ ኣገንዚቦም።

ቑጠባዊ ዓቕሚ ኣታዊና ንምዕባይ ነዚ ዝምጥንን ዝድግፍን ስርዓት ምምሕዳር ግብርን ምጥንኻርን ምምሕያሽን ወሳኒ ብምዃኑ ብብርኪ ሃገር ዝተመሓየሹ ኣዋጅ ኣታዊ ግብርን ምምሕዳር ግብርን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2008 በጀት ዓመት ፀዲቑ ናብ ተግባር ተኣትዩ እዩ። እዞም ሓደሽቲ ኣዋጃት ንንውሕ ዝበሉ ዓመታት ተበታቲኖም ዝፀንሑ ኣዋጃትን ደንብታትን ናብ ሓደ ብምውዳብ ግልፅነትን ተሓታትነትን ብምስፋን ምስ ዝበፃሕናዮ ቁጠባዊ ዕብየት ንምዝማድ እዚ ስልጠና ክፍተታትና እናፅበብና ዓቕምና እነጎልብተሉ ስሉጥን ቀፃልነት ዘለዎን ግልጋሎት ንምሃብ ዝሕግዝን ከፈልቲ ግብሪ ከከም ኣታዊኦም ክኸፍሉ ዝገብር ምኻኑ እቶም ምክትል ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም።

ቐንዲ ዕላማታት ምምሕያሽ ኣታዊ ግብርን ምምሕዳር ግብርን ብተግባር ሪፎርምታት ግብሪ ኣብ ምፍፃም ዘፀግሙ ዝነበሩ ድንጋገታት ግልፅነት ንኽህልዎም ብዝተበታተነ መንገዲ ኣብ ስራሕ ዝፀንሑ ኣዋጃት ብምውህሃድ ብምምሕዳር ግብሪ ዝምርሑ ድንጋገታት ዓርሶም ክኢሎም ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ብምግባር ኣብ ከፈልቲ ግብሪ ዝበፅሕ ዝነበረ ምንግልታዕ ብምውጋድ ፍትሓዊ ስርዓት ኣከፋፍላ ግብሪ ንምዝርጋሕ ዝዓለመ ሙያዊ ስልጠና እዩ።

ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ዝኸፍልዎ ግብሪ ኣብ ድሌት ዝተመሰረተ እንተይኮነስ ኣታዊኦም መሰረት ዝገበረ ብሕጊ ተገዲዶም ንልምዓት ሃገሮም ዝኸፍልዎ ግቡእ ኮይኑ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ስራሕቲ ንምስላጥ ዝኽፈል እንትኸውን ሰራሕተኛታት ልምዓት እቶት ዓቕሞም እናዕበዩ ንኸፈልቲ ግብሪ ብዝገበርዎ ደገፍን ክትትልን ብዓርሰ ተበግሶ ምኽፋል ግብሪ መግለፂ ስልጥኑን ዜግነታዊ ጉቡእን እናኾነ ይመፅእ ከም ዘሎ ኣይተ ወ/ገብርኤል ኣፅብሃ ብተወሳኺ ግልፂ ገይሮም።

ተሳተፍቲ እቲ ስልጠና ኣይተ ሃ/ስላሴ ገ/ሂወትን ወ/ሮ ትርሓስ ገዛእን ብወገኖም ነባራትን ሓደሽትን ኣዋጃት ዘመሳስልዎምን ኣፈላላዮምን መሰረት ብምግባር ዝተውሃበ ስልጠና ዓቕምን ክእለትን ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ወረዳታትን ከተማታትን ተሞክሮታት ዝተለዋወጥናሉን ተሞክሮ ዝቐሰምናሉን እዩ ክብሉ ገሊፆም።

                                                                    ብደጋፊ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

June 2017
123
45678910
11121314151617
18192021222324
252627282930

በዝሒ ጎብነይቲ

036410
ሎምዓንቲሎምዓንቲ36
ትማሊትማሊ68
ኣብዚ  ሰሙንኣብዚ ሰሙን68
ኣብዚ ወርሒኣብዚ ወርሒ1804
ጠቕላላ ክሳብ ሐዚጠቕላላ ክሳብ ሐዚ36410

We have 37 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved