top
logo

ሕትመታት

ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2008 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2008 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2008 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ሪፎርምታት ግብርን ታክስን ንምትግባርን ንምዕዋትን ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዘሳልጥዎ ቅንያት ግብሪ ሓበራዊ መድረኽ ምኽክር ዘተ
ክረምታዊ መደባት
ቅድመ ምድላው ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 2008/9 በጀት ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን መድረክ እተሳልጥ!

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ መንፈቕ  ዓመት  ገምጋማዊ ስልጠና ኣካይዱ።

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ሓለፍትን መተሓባበርትን ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳታትን ከተማታትን ተወከልቲ ከተማታት ዞባን ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ኣብ ከተማ ማይጨው ገምጋማዊ ስልጠና ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት 2009 ዘካየደ እንትኸውን ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት እዚ ፍርቂ ዓመት ከም ትካል ኣብ ጎደና ለውጢ ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ህንፀት ልምዓት ሓይሊ ሰብን ህዝባዊ ምንቕናቕን ዘሎ ምንቅስቓስ ፣ኣብ ሒሳብ መዛግብቲ ዝትግበር ዘሎ ኣፈፃፅማ ኦዲት ስትራተጂ፣ ኣብ ኣከብትን ከፈልትን ግብሪ ምስ ሪፎርምታት ግብርን ታክስን ዝተተሓሓዘ ኣብ ኣዋጃት፣ ደምብታትን ምምርሕታትን ግንዛበ ኣብ ምዕባይ ዘሎ ምንቅስቓስን ኣብ ኣተሓሕዛ ዘመናዊ ስርዓት መረዳእታን ዘሎ ጠንካራ ምንቅስቓስ መሪሕነት ልምዓታዊ ሰራዊት እቶትን ኣመራርሓ ውድብን መንግስትን ዓሪፍዎ ክሰፋሕ ዝግበኦ ተሞክሮን ውፅኢታዊ ኣፋፃፅማ መዳባትን  ተመዝጊቡ እዩ። ከምኡ እውን  ኣብ  ምስዋር ግብሪ ንዝተዋፈሩ ኣካላት ዝውሰዱ ሕጋዊ መምሃሪ ስጉምትታትን ምስ ምቑራፅ ቅብሊት ዝተተሓሓዘ ኣብ ተወሳኺ እሴት ታክስን ተርን ኦቨር ታክስን ዘሎ ምንቅስቓስን ተወሳኺ ፃዕሪ ከም ዘድሊ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ምሕረት በየነ  ኣገንዚበን።

 

 

ምስዚ ብተዛማዲ ኣብዚ በጀት ዓመት ከም ብዓል መዚ ኣብ ምጥንኻር ልምዓታዊ ሰራዊት እቶት ኣብ ቁልፊ መደብ ምስ ምድላው ብቑዕ ቁመና ዘለዎም ብስርዓት ውፅኢት ተኮር ዝተቓዩ ትልምታት፣ ምድላው ፈፀምቲ ዓቕምታትን ተግባር መሰረት ዝገበሩ ህንፀታትን ብምልክዕ ኔትወርክታት፣ መዓልታዊ ህንፀትን ዓርሰ ምምህሃርን ብኣግባቡ ብምክያድ ዝተማልአ መስርሕ ደገፍን ክትትልን ተግባራዊ ብምኻኑ ጠንካራ ሰረዊት እቶት ብምውናን  ኣብ ቁልፊ መደባት ብሉፅ ኣፈፃፅማ ብምስርሑ ኣብ ዓበይቲ መደባት ዘዕግብ ውፅኢት ምምዝጋብ ተኻኢሉ። በዚ መሰረት ኣብዚ በጀት ዓመት ብበዓል መዚ ክእከብ ዝተተሓዘ እቶት 3.65 ቢሊዮን ኮይኑ ኣብዚ ፍርቂ ዓመት ክሳብ  ጥሪ መወዳእታ 63.3 ሚእታዊ ከም ዝተኣከበ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ልምዓታዊ ትልሚ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣይተ በሪሁ ወ/ሚካኤል ሓቢሮም።

  ኣብቲ ገምጋማዊ ስልጠና ብተሳተፍቲ ምስ ምቑራፅ ደረሰይ ዝተተሓሓዘ ኣብ ነጋዶን ተጠቃሚ ህዝብን ዘሎ ግንዛበ፣ ከምኡ እውን ደረሰይ ኣብ ዘይቖርፁ ኣካላት ዝውሰዱ ሕጋዊ ስጉምትታትን ቅፅዓትን፣ ኣብ ሒሳብ መዛግብቲ ዘሎ እዋናዊ ኣፈፃፅማ ኦዲት ስትራተጂ፣ ምስ ውሳነ ፍትሓውን ተመጣጣንን ግብርን ምርግጋፅ ፍትሓዊ ስርዓት ምሕደራ ግብርን ከምኡ’ውን ኣብ ዕግበት ተገልገልትን ቅሬታን ዘሎ ኩነታት ዝብሉ ዛዕባታት መሰረት ዝገበሩ ሕቶታትን ርአቶታትን ዝተልዓሉ ኮይኖም ነዞም ዝተልዓሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን ድማ ብመተሓባበርትን ክኢላታትን ከይዲ ስራሕቲ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብቶም ዝተልዓሉ ዛዕባታት ኣብ ምቑራፅ ደረሰይ፣ ከይዲ ኦዲት ስትራተጂ ሒሳብ መዛግበቲ፣ ኣብ ግብሪ መጭበርበርቲ ዝትግበሩ ደገፍን ክትትልን  ዝወስዱ ቅፅዓታትን ዝተተሓሓዘ ግብረ መልስን ርኢቶታትን  ተዋሂብዎም።

ኣብቲ ገምጋማዊ ስልጠና ካብ ዝተሳተፉ ኣካላት ሓለፊት ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማ ዓድዋ ወ/ሮ መብራት ይፍጠርን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማ ዓዲ ግራት ኣይተ ገ/ስላሴ ገ/ብሄርን ካብቲ መድረኽ ጥንካረታትን ድኽመታትን እናፈተሸ መፍትሒ ዘቕምጥ ድልዱል ሰራዊት ሲቪል ሰርቫንት እቶት ከም ዝተረጋገፀ ፣ዕግበት ተገልገልቲ ንምርግጋፅ ሪፎርምታት ግብርን ታክስን ብምጥንኻር ኣብ ዝቕፅል ካልኣይ ፍርቂ ዓመት ኣፈፃፅማ እቲ ትካል ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይን ካብቶም ዝቐረቡ ብሉፃት ተሞክሮታት ቀሚርካ ንምስፋሕን ተግባራዊ ንምትግባርን ዝሕግዙ ፍረ ሓሳባት ጨቢጦም በዓል መዚ ልምዓት እቶት መርአያነቱ ሓሊው ንክቕፅል ከም ዝሰርሑ ቃል ኣትዮም።                                                                                                 

                                                                 ሃይላይ  ገ/ገርግስ

                                                                                        ክኢላ ርክብ ህዝቢ በዓል መዚ ልምዓት እቶት

 

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

June 2017
123
45678910
11121314151617
18192021222324
252627282930

በዝሒ ጎብነይቲ

036410
ሎምዓንቲሎምዓንቲ36
ትማሊትማሊ68
ኣብዚ  ሰሙንኣብዚ ሰሙን68
ኣብዚ ወርሒኣብዚ ወርሒ1804
ጠቕላላ ክሳብ ሐዚጠቕላላ ክሳብ ሐዚ36410

We have 47 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved