top
logo

ሕትመታት

ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ንኣመራርሓ ኣካላት ግንዛበ መዕበዪ ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ።

  መደባት ልምዓት እቶት ብተሳትፎ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላት ንምዕዋት ኣብ ሕጋዊ ማዕቀፍ ግብሪ፣ ረብሓታትን ኣድላይነትን ግብሪ፣ መሰረታዊ ባህርያትን መትከላትን ስርዓት ግብርን ታክስን፣ መሰረት ዝገበረ ግንዛበ መዕበዪ ስልጠና ንኣመሓደርትን ከንቲባታትን፣ ምኽትል ኣመሓደርቲ ዞባታትን ሓለፍቲ ልምዓት ከተማን  ከም ዝተውሃበ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ምሕረት በየነ ኣገንዚበን። 

 

  ዕላማ እቲ ስልጠና’ውን ስትራተጂካዊ መበገስታት ልምዓታዊ ስርዓት ግብሪ ብምጥንኻር እቶት ውሽጢ ዓዲ ከዕቢ፣ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት፣ ትካላት መሰረተ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ግልጋሎት ብውሽጣዊ ዓቅምታትና ክህነፁ፣ ወፃኢና ብባዕልና ክሽፈን ዘኽእል ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ተቐሪፁ ኣብ ኣወዳድባ፣ ኣዋጃት፣ ደንብታትን መምርሕታትን ግብርን ታክስን ብተደጋጋሚ ግንዛበ መዕበዪ ስልጠናታት ብምውጋን ስሉጥን ፅፉፍን  ግልጋሎት ንምሃብ ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን ብቐረባ ብምድግጋፍ እናሰርሐ ዝርከብ ኮይኑ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ንልምዓታውያን ሰብ ሃፍቲ ምቹው ኩነታት ብምፍጣር ኣብ ኣወሳስናን  ኣተኣኻክባን ግብሪ ፍትሓውነትን ሚዛናውነትን ብምንጋስ ክፍተታት ኣወሃህባ ግልጋሎት ብዝቀርፍ መንገዲ ይስርሐሉ ከም ዘሎ ወ/ሮ ምሕረት በየነ ገሊፀን።

 መደባት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ንምዕዋት ኣተሓሳስባን ተግባራትን ኣካብነት ክራይ ብምድኻም ብንእክቦ እቶት ግብሪ ፍልፍል ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ኮይኑ ንመሳለጢ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ስራሕቲ ሃገርናን ክልልናን ንኽውዕል ንከፈልቲ ግብርን ውዳበታት ሓፋሽ ማሕበራትን ስልጠናታት ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ብቀረባ  ተዋዲድካ ምስራሕ ዝተጀመረ ዋላካ እንተኾነ ኣብ ዝኸፈአ  ምጭብርባርን ግብሪ ንዝተዋፈሩ ብተደጋጋሚ ሕጊ ዝጥሕሱን ቅብሊት ንተጠቃሚ ሕ/ሰብ ዘይህቡን ከፈልቲ ግብሪ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ብምቕዳም እቲ ሕጊ ዝፈቕዶ ስጉምቲ ክውሰደሎም ከም ዝግበር እተን ዋና ዳይሬክተር ብተወሳኺ ሓቢረን። 

 

ተሳተፍቲ እቲ ስልጠና ብወገኖም  በዓል መዚ ልምዓት እቶት ኣብ ስርዓት ግብርን ታክስን ዝርኣዩ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ኣካብነት ክራይ ንበይኑ ከዳኽሞ ስለዘይኽእል እቶም ኣመራርሓ ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን ብምዃን ስራሕቲ ክላስተር ብምጥንኻር ተዋዲዶም ከም ዝሰርሑ ቃል ኣትዮም።

                                          ብደጋፊ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ

 

 

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

December 2017
12
3456789
10111213141516
17181920212223
24252627282930
31

በዝሒ ጎብነይቲ

045422
ሎምዓንቲሎምዓንቲ10
ትማሊትማሊ63
ኣብዚ  ሰሙንኣብዚ ሰሙን380
ኣብዚ ወርሒኣብዚ ወርሒ900
ጠቕላላ ክሳብ ሐዚጠቕላላ ክሳብ ሐዚ45422

We have 51 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved