top
logo

ሕትመታት

ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ንኣመራርሓን ኣባላትን ቀዋሚ ኮሚቴ በጀትን ኦዲትን ቤት ምኽሪ ወረዳታትን ከተማታትን ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ።

ሓደሽቲ ኣዋጃት ኣታዊ ግብርን ምምሕዳርን ግብርን፣ ኣዋጅ ኤክሳይዝን ቴምብር ቀረፅን፣ ስርዓት ኣወሳስና ግብርን ኣተኣላልያ ቅሬታን ይግበአንን፣ ሪፎርምታት ግብሪ መሰረት ብምግባር ንኣመራርሓን ንኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ በጀትን ኦዲትን ቤት ምኽሪ ወረዳታትን ከተማታትን ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና ከም ዝተውሃበ ኣብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወናኒ ከይዲ ስራሕ ትምህርትን ስልጠናን ግልጋሎት ዓማዊልን ኣይተ በላይ ገብረወልድ ኣገንዚቦም።


 

ቑጠባዊ ዓቕሚ ኣታዊና ንምዕባይ ነዚ ዝምጥንን ዝድግፍን ስርዓት ምምሕዳር ግብርን ምጥንኻርን ምምሕያሽን ወሳኒ ብምዃኑ ብብርኪ ሃገር ዝተመሓየሹ ኣዋጅ ኣታዊ ግብርን ምምሕዳር ግብርን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2008 በጀት ዓመት ፀዲቑ ናብ ተግባር ተኣትዩ እዩ። እዞም ሓደሽቲ ኣዋጃት ንንውሕ ዝበሉ ዓመታት ተበታቲኖም ዝፀንሑ ኣዋጃትን ደንብታትን ናብ ሓደ ብምውዳብ ግልፅነትን ተሓታትነትን ብምስፋን ምስ ዝበፃሕናዮ ቁጠባዊ ዕብየት ብምጥዕዓም ግብሪ ዘይኽፈሎም ዝነበሩ ኣታዊታት ኣብ ግብሪ ስርዓት ንኽኣትዉ እዚ ስልጠና ክፍተታትና እንምልአሉን ዓቕምና እነጎልብተሉ ስሉጥን ቐፃልነት ዘለዎን ግልጋሎት ንምሃብ ዝሕግዝን ከፈልቲ ግብሪ ከከም ኣታዊኦም ክኸፍሉ ዝገብር ምዃኑ ኣይተ በላይ ገሊፆም።

 

ቐንዲ መበገሲ ዕላማታት ምምሕያሽ ኣታዊ ግብርን ምምሕዳር ግብርን ብተግባር ሪፎርምታት ግብሪ ኣብ ምፍፃም ዘፀግሙ ዝነበሩ ጥንካረታትን ሕፅረታትን ዝቐረቡ ኮይኖም ብዝተበታተነ መንገዲ ኣብ ስራሕ ዝፀንሑ ኣዋጃት ብምውህሃድ ብምምሕዳር ግብሪ ዝምርሑ ድንጋገታት ዓርሶም ክኢሎም ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ብምግባር ኣብ ከፈልቲ ግብሪ ዝበፅሕ ዝነበረ ምንግልታዕ ብምውጋድ ፍትሓዊ ስርዓት ኣከፋፍላ ግብሪ ንምዝርጋሕ ዝዓለመ ስልጠና ከም ዝኾነ ኣይተ በላይ ገ/ወልድ ብተወሳኺ ግልፂ ገይሮም።

 

ተሳተፍቲ እቲ ስልጠና ኣይተ ኣስረስ ኣረሩን ወ/ሮ ሙሉ ገ/መድህንን ብወገኖም ነባራትን ሓደሽትን ኣዋጃት ዘመሳስልዎምን ኣፈላላዮምን መሰረት ብምግባር ዝተውሃበ ስልጠና ዓቕምን ክእለትን ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ወረዳታትን ከተማታትን ተሞክሮታት ዝተለዋወጥናሉን ተሞክሮ ዝቐሰምናሉን ኣባላት ቀወምቲ ኮሚቴ በጀትን ኦዲትን ቤት ምኽሪ ግቡእና ክንዋፃእ ዝሕግዝ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

 

 

                                                           በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

December 2017
12
3456789
10111213141516
17181920212223
24252627282930
31

በዝሒ ጎብነይቲ

045422
ሎምዓንቲሎምዓንቲ10
ትማሊትማሊ63
ኣብዚ  ሰሙንኣብዚ ሰሙን380
ኣብዚ ወርሒኣብዚ ወርሒ900
ጠቕላላ ክሳብ ሐዚጠቕላላ ክሳብ ሐዚ45422

We have 52 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved