top
logo

ሕትመታት

ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ

ሓደሽቲ ኣዋጃት ኣታዊ ግብርን ምምሕዳርን ግብርን መሰረት ብምግባር ንከፈልቲ ግብሪ ደረጃ ሀን ለን ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና ከም ዝሃበ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ቀደማይ ወያነ ኣፍሊጡ።

 

ሓደሽቲ ኣዋጃት ኣታዊ ግብርን ምምሕዳርን ግብርን፣ ስርዓት ኣወሳስና ግብርን ኣተኣላልያ ቅሬታን ይግበአንን፣ ብዛዕባ ስግግር ነጋዶ፣ ሪፎርምታት ግብሪ መሰረት ብምግባር ንከፈልቲ ግብሪ ደረጃ ሀን ለን ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና ከም ዝተውሃበ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ቀደማይ ወያነ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ትምህርትን ስልጠናን ግልጋሎት ዓማዊልን ኣይተ ሃፍቶም ብርሃነ ኣገንዚቦም።

እዞም ሓደሽቲ ኣዋጃት ንንውሕ ዝበሉ ዓመታት ተበታቲኖም ዝፀንሑ ኣዋጃትን ደንብታትን ናብ ሓደ ብምውዳብ ግልፅነትን ተሓታትነትን ብምስፋን ምስ ዝበፃሕናዮ ቁጠባዊ ዕብየት ብምጥዕዓም ግብሪ ዘይኽፈሎም ዝነበሩ ኣታዊታት ኣብ ግብሪ ስርዓት ንኽኣትዉ እዚ ስልጠና ክፍተታትና እንምልአሉን ዓቕምና እነጎልብተሉ ስሉጥን ቐፃልነት ዘለዎን ግልጋሎት ንምሃብ ዝሕግዝን ከፈልቲ ግብሪ ከከም ኣታዊኦም ክኸፍሉ ዝገብር ምዃኑ ኣይተ ሃፈቶም ገሊፆም።

ቐንዲ መበገሲ ዕላማታት ምምሕያሽ ኣታዊ ግብርን ምምሕዳር ግብርን ብተግባር ሪፎርምታት ግብሪ ኣብ ምፍፃም ዘፀግሙ ዝነበሩ ጥንካረታትን ሕፅረታትን ዝቐረቡ ኮይኖም ብዝተበታተነ መንገዲ ኣብ ስራሕ ዝፀንሑ ኣዋጃት ብምውህሃድ ብምምሕዳር ግብሪ ዝምርሑ ድንጋገታት ዓርሶም ክኢሎም ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ብምግባር ኣብ ከፈልቲ ግብሪ ዝበፅሕ ዝነበረ ምንግልታዕ ብምውጋድ ፍትሓዊ ስርዓት ኣከፋፍላ ግብሪ ንምዝርጋሕ ዝዓለመ ስልጠና ከም ዝኾነ እቶም መተሓባበሪ ኣፍሊጦም፡፡

ኣብዚ ሓበራዊ መድረኽ እውን መምርሒ ኣፈፃፅማ ኦዲት ስትራተጂ ዝቀረበ ኮይኑ ብብርኪ እታ ክፍለ ከተማ ዝሓሹ ሞዴላት ከፈልቲ ግብሪ ንምፍላይ ንምጥንኻርን ኣብ ኣወሳስናን ኣተኣኻኽባን ግብሪ፣ ኣተሓሕዛ ሒሳብ መዝገብን ካልኦት ተዛመድቲ ስራሕትን ንምፍፃም ዘኽእል መምርሒ ላ ስርዓት ኦዲት ግብሪ ኣብ ኣርባዕተ መዐቀኒታት ተኸፋፊሉ ቀሊል ኦዲት፣ውሱን ኦዲት፣ሙሉእን ፍሉይን ኦዲት ብምባል ብተግባር ይስርሐሉ ከም ዘሎ ኣይተ ሃፍቶም ብርሃነ ብተወሳኺ ግልፂ ገይሮም።

 

ብደጋፊ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ

 

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

December 2018
1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031

በዝሒ ጎብነይቲ

061642
ሎምዓንቲሎምዓንቲ30
ትማሊትማሊ48
ኣብዚ  ሰሙንኣብዚ ሰሙን64
ኣብዚ ወርሒኣብዚ ወርሒ453
ጠቕላላ ክሳብ ሐዚጠቕላላ ክሳብ ሐዚ61642

We have 23 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved