top
logo

ሕትመታት

ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ

መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ልምዓታውያን ብርኪ ሀንለን ደቂ ኣነስትዮ ነጋዶ ሰልጠና ሂቡ!

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ሪፎርምታት ግብሪ፣ ኣዋጅ ኣታዊ ግብርን ምምሕዳርን ቅብሊት ምቑራፅን ኣመልኪቱ ንልምዓታውያን ብርኪ ሀንለን ነጋዶን ጥምረትን ደቂ ኣነስትዮ ከተማ መቐለ ስልጠና ሂቡ።

 

   ኣብቲ ስልጠና ዝተረኸባ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ምሕረት በየነ ዕላማ እቲ ስልጠና ደቂ ኣነስትዮ ሪፎርምታት ግብሪ ብምትግባር ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ተሳቲፈን ሃፍቲ ብምፍራይ ካብ ዝረኸቦኦ ኣታዊ ግብሪ ብምኽፋል ኣብ ልምዓት፣ ህንፀት ዲሞክራስን ሰላምን ንምስታፍ ግንዛበ ምዕባይ ́ እዩ። ብተወሳኺ እውን ካብ ቀንጠብጠብን ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ንግድን ኣብ ምቅላስ ዝለዓለ ግደ ንክፃወታ ሓጋዚ ከም ዝኾነ ሓቢረን።

ቲ ስልጠና በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ልምዓታውያን ከፈልቲ ግብርን ጥምረትን ደቂ ኣነስትዮን ከተማ መቐለ ዝተወሃበ ስልጠና ኮይኑ ኣብ ህንፀት ሓይሊ ሰብ፣ ስርዓት መረዳእታ፣ ግንዛበ ምዕበይ ፣ ምርግጋፅ ልዕልነት ሕግን ምዕባይ እቶትን ዝኣመሰሉ ሪፎርምታት ግብሪ ቀሪቡ እዩ። ከምኡ እውን ኣብ ሓዱሽ መምርሒ ተወሳኺ እሴት ታክስን ቲኦትን ዝምልከት ኣብቲ ስልጠና ዝቐረበ ኮይኑ ልዕሊ 1,000,000 ምንቅስቓስ ንግዲ ዘለዎም ከፈልቲ ግብሪ ተወሳኺ እሴት ታክስ ክምዝገቡን ካብ 500,000 -1,000,000 ብር ምንቅስቃስ ንግዲ ዘለዎም ድማ ቲኦቲ ክሕዙ ኣለዎም። ብተወሳኺ ኣብ ቅብሊት ዘይምቑራፅ ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝተዋፈሩ ነጋዶ ዘቕረብዎ ሒሳብ መዝገብ ብዝግባእ ኦዲት ብምግባር ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ ከም ዘለዎ ኣብቲ ስልጠና ተሓቢሩ።


 

ኣብቲ ስልጠና ተሳተፍቲ ኣብ ተቐናሲ እርጋን ዘሎ ኣሰራርሓ ከመይ ́ከም ዝኾነ? ኣብ ሒሳብ መዝገብ ዘሎ ፀገም ክንፀር ከም ዘሎ፣ እቶም ብናይ ቀረፅ ዕዳጋ ዘዘርጉ ዘለው ነጋዶ ብሚድያ ክቃልዑ ኣለዎም፣ ተኸታታሊ ስልጠና ክወሃበና ኣለዎ ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታትን ርኢቶታትን ካብ ተሳተፍቲ ቀሪቦም ካብ መሰልጠንቲ መልሲ ምስ ተወሃበ እቲ ስልጠና ተዛዚሙ።

 

                                                                ከ/ ስራሕ ር/ህዝቢ

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

May 2019
1234
567891011
12131415161718
19202122232425
262728293031

በዝሒ ጎብነይቲ

070925
ሎምዓንቲሎምዓንቲ14
ትማሊትማሊ97
ኣብዚ  ሰሙንኣብዚ ሰሙን708
ኣብዚ ወርሒኣብዚ ወርሒ2077
ጠቕላላ ክሳብ ሐዚጠቕላላ ክሳብ ሐዚ70925

We have 55 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved