

ዋና መምረፂ
ሓገዝቲ ሰነዳት
ሕትመታት
ሰራሕተኛታት ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ ሰሜን ምዕራብ መድረኽ ዘተን ልውውጥ ተሞኩሮን ኣካይዶም፡፡
ሰራሕተኛታት ከተማታትን ወረዳታትን ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ኣብ ኣፈፃፅማ ሪፎርምታት ግብሪ ኣመልኪቶም መድረኽ ዘተን ልውውጥ ተሞክሮን ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣካይዶም።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ልውውጥ ተሞክሮ ዝተረኸባ ምኽትል ከተማ ልምዓት ወ/ሮ ለምለም ገ/መስቀል እቲ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ኣብ ኩለን ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ኣብ ህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት ግብሪ ተመጣጣኒ ዝኾነ ኣተሓሳስባን ኣፈፃፅማን ንክህሉ ዝዓለመ ኮይኑ ሪፎርምታት ምሕደራ ግብሪ ብምሉእ ቁመነኦም ተግባራዊ ንክኾኑ ምስ ነጋዳይ ብቐረባ ኣብ መድረኻት ብምዝታይን ሰናይ ምምሕዳር ብምንጋስን ቅሬታ ነጋዳይ ንኽፍታሕ ሓጋዚ ከም ዝኾነ ገሊፀን።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ካብ ዝተልዓሉ ሪፎርምታት ግብሪ ፅንዓት ቀዳማይ ዙር 2010 ዓ.ም ብምጥንቕላል ኣብ መድረኻት ምስ ነጋዶ ምይይጥ ብምግባር ፍትሓውን ተመጣጣንን ግብሪ ንምኽፋል ሓጋዚ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ እዩ። ከምኡ ድማ ክእከብ ዝግበኦ ግብሪ ንኽእከብ ውዙፍ ግብሪ ብእዋኑ ምኽፋል፣ ቅብሊት ዝህብን ዝሓትትን ሕብረተሰብ ንምፍጣር ግንዛበ ምዕባይ፣ ሰለጤን ዘለዎ ግልጋሎት ንምሃብ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ምስፋሕ፣ ኣፈፃፅማ ምኽፋል ግብሪ መጥቀሚ መሬትን ምስ መሸጣ ገዛ ዝተተሓሓዙ ኣሰራርሓታት ኣተኣኻኽባ እቶትን ክጠናኸሩ ዝግበኦም ተሞኩሮታት ኮይኖም ከም ዞባ ተመሳሳሊ ብዝኾነ ኣፈፃፅማ ክትግበሩ ከም ዘለዎም ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሮም።
እቶም ተሳተፍቲ ካብቲ መድረኽ ዘተ ምስ ጥሕሰት ሕጊ ግብሪ ዝተተሓሓዙ ስራሕቲ፣ ኣፈፃፅማ ኣተኣኻኽባ እቶት፣ ኣፈፃፅማ ኦዲት፣ ስርዓት መረዳእታን መዓልታዊ ፅንዓትን ማእኸል ብምግባር ከም ዞባ ዘለው ጥንካረታት ከም ዘሎ ተወሲዱ ነቶም ዝቐረቡ ድኽመታትን ሓባራዊ መፍትሕታቶምን ብዝምልከት ተሞክሮ ከም ዝተመሓላለፈ ዓቃቢ ሕጊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማ ሽረ ኣይተ ገብረ ደሳለይን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ወ/ሮ ምዕራፍ ተክለሃይማኖትን ሓሳቦም ገሊፆም።
ሃይላይ ገ/ገርግስ
ክኢላ ር/ህዝቢ በዓል መዚ ልምዓት እቶት
- ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
- ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡
|
በዝሒ ጎብነይቲ






![]() | ሎምዓንቲ | 32 |
![]() | ትማሊ | 67 |
![]() | ኣብዚ ሰሙን | 242 |
![]() | ኣብዚ ወርሒ | 1328 |
![]() | ጠቕላላ ክሳብ ሐዚ | 87352 |
We have 18 guests and no members online
