

ዋና መምረፂ
ሓገዝቲ ሰነዳት
ሕትመታት
በዓል መዚ ልምዓት እቶት መደባቱ ብተሳትፎ ውዳበታት ህዝብን ከፈልቲ ግብርን ንምዕዋት ኣበርቲዑ ይሰርሕከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
ንኣፈፃፅማ መደባት ቀደማይ ርብዒ ዓመት 2012 በጀት ዓመት ኣመልኪቱ ንሚድያታትን ርክባት ህዝብን መግለፂ ዝሃባ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኣሰፉ ሊላይ መደባት ቀደማይ ርብዒ ዓመት ብተሳትፎ ውዳበታት ህዝብን ከፈልቲ ግብርን ከምዝተዓወተ ኣገንዚበን።
ሐዚ ዘሎ ኩነታት ሃገርና ኣብ ክልልና እውን ኣብ መዳይ ምእካብ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘመንጨዎ ፍትሓዊ ግብሪ ተፅዕኖ ይፈጥር እካ እንተሃለወ በቢ ብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓ ውድብን መንግስትን ሰብ ዋና ኮይኖም ብምስርሖም ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 2011/12 በጀት ዓመት ብዉዑይ ተሳትፎ ከም ዝተዓወተ ገሊፀን።
ኣብ ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 119 ሽሕን 763 ደረጃ ሐ፣ 42 ሽሕን 871 መካረይትን ኮታስ ን162 ሽሕን 634 ማሕበረሰብ ንግድን መካረይትን ስሉጥ ግልጋሎት ክረኽቡ ክኢሎም እዮም። ናይዚ ውፅኢት እውን ክሳብ 30 ሓምለ 2011 በጀት ዓመት ደረጃ ሐ ከፈልቲ ግብሪ 98 ሚኢታዊ ዝተወሰነሎም ግብሪ 228 ሚልዮንን 323 ሽሕን 186 ብር ኣብ እዋኖም ከፊሎም ኣለዉ። መካረይቲ ድማ 82 ሚኢታዊ 167 ሚልዮንን 655 ሽሕን 596 ብር እንትኸፍሉ ብድምር ክሳብ መዛዘሚ ወርሒ ሓምለ ብብርኪ ክልል 93 ሚኢታዊ ከፈልቲ ግብሪ ዝተወሰነሎም ፍትሓዊ ግብሪ 395 ሚልዮንን 323 ሽሕን 186 ብር ብዘይ ቅፅዓት ኣብ እዋኖም ከፊሎም እዮም።ይኹን እምበር ሐዚ እውን ኩለመዳያዊ ምዕባለ ትግራይ ንምጉልባት ኣብ ስርዓት ምሕደራ ልዕልነት ሕጊ ብምርግጋፅ ቅብሊት ዝህብን ዝሓትትን ማሕበረሰብ ንግዲ ንምፍጣር ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን በዓል መዚ፣ መዳርግቲ ኣካላት፣ ውዳበታት ሓፋሽ ማሕበራትን ኣብያተ ምኽርን ተዋዲዶም ንኽሰርሑ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኣሰፉ ሊላይ ኣተሓሳሲበን።
በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ
- ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
- ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡
|
በዝሒ ጎብነይቲ






![]() | ሎምዓንቲ | 29 |
![]() | ትማሊ | 67 |
![]() | ኣብዚ ሰሙን | 239 |
![]() | ኣብዚ ወርሒ | 1325 |
![]() | ጠቕላላ ክሳብ ሐዚ | 87349 |
We have 16 guests and no members online
