top
logo

ሕትመታት

ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ግብሪ ሰሙን ኣመልኪቱ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ፡፡

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣከባብራ ግብሪ ሰሙንን ኣፈፃፅማ ቅብሊትን ኣመልኪቱ ”ኣብ ምሕደራ ግብሪ ዝረኣዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ብሓባር ንከላኸል” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተኸበረ ኮይኑ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ሓላፊ ቢሮ ከተማ ልምዓት፣ ንግድን ኢንዱስትርን ዶ/ር ኣምባሳደር ኣዲሳለም ባሌማ ጉዳይ ቅብሊት ትኹረት ዝወሃቦ ዘሎ ቅብሊት ንምሃብን ምሕታትን ዘይኮነስ ካብኡ ንላዕሊ ካልኦት ዓበይቲ ሞያታት ስለ ዘለውዎ እዩ፡፡ እቲ ቀንዲ ልዕልነት ሕጊ ክኸበር ምግባር ዝብል ኮይኑ ሕጊ እቲ ዋና ናይ ዲሞክራሲ ዓምዲ ስለዝኾነ ክኸበር ኣለዎ፡፡ ብዘይሕጊ ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራሲን ክተልዕል ኣይትኽእልን፡፡ እቲ ካልኣይ ቅብሊት ኣብ ምእካብ እቶት ዓብይ ግደ ስለ ዘለዎ እዩ፡፡ ካብ ሕብረተ-ሰብ ፅቡቕ እቶት እንተተኣኪቡ መንግስቲ ጠለብ ህዝቢ ዝምለሱ ዝተፈላለዩ ስራሐቲ ንምስራሕ ስለ ዝሕግዝ እዩ፡፡ ሞኽንያቱ ናይ ሓደ መንግስቲ ዋና መንቀሳቐሲ እቶት ስለ ዝኾነ ህዝቢ ንዝሓቶም ዝርገሐ መሰረት ልምዓትን ማሕበራዊ ግልጋሎት ንምምላስ ስለ ዘኽእልን እዩ፡፡ ብሳልሳይ ደረጃ ኣብ ቅብሊት ዝትግበር ዘይሕጋዊ ተግባር መጀመርያ ኣብቲ ሕጋዊ ነጋዳይ ዓብይ ጉድኣት ስለዘስዕብ ክንከላኸሎ ስለ ዝግባእ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ጉዳይ ቅብሊት ጉዳይ ኩሉ ዜጋ እምበር ናይ መንግስቲ ጥራሕ ስራሕ ስለዘይኮነ ኩላትና ተጠየቕቲ ክንኸውን ይግባእ፡ ነቶም ሕጋውያን ሰብ ሃፍቲ ብምትብባዕ ብኣንፃሩ ነቶም ሕጊ ዝጥሕሱን መጭበርበርትን ነጋዶ ድማ ክቃልዑን ክቕፅዑን ክግበር ኣለዎ ኢሎም ዶ/ር ኣምባሳደር ኣዲሳለም ባሌማ፡፡

 

   

ብተወሳኪ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸባ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ምሕረት በየነ እዚ መድረኽ ዘተ 20 ጉንበት ሞኽንያት ብምግባር ዝኽበር ግብሪ ሰሙን መእተዊ መድረኽ ኮይኑ ኣብ ሪፎርምታት ግብሪ መሰረት ዝገበረ እዩ፡፡

ብፍላይ ኣብ ቅብሊት ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባር ተኸታታሊ ናይ ግንዛበ መዕበይ ስራሕቲ ብምስራሕ ክስተኻኸልን ሕጊ እውን ክኽበርን ምግባር እዩ፡፡ ብፍላይ ምስ ሪፎርምታት ግብሪ ዝተተሓሓዙ ምስ ምልማዕ ሓይሊ ሰብ ወይ ልምዓታዊያን ምሕያል፣ ኣወሃህባ ግልጋሎት ምምሕያሽ ፣ ኣብ ምርግጋፅ ልዕልነት ሕጊ ብፍላይ ምስ ቅብሊት ምቑራፅን ኢኮኖሚ ዘፈልፈሎ እቶት ምእካብን ዝብሉ ሪፎርምታት ተግባራዊ ንምግባር ኣብቲ ቤት ዕዮ ልምታዊ ኣተሓሳስባን ክእለትን ዝወነነ ሰራዊት ተፈጢሩ እዩ፡፡ ብፍላይ ኣብ መምርሕታት፣ደንብታትን ኣዋጃትን ዘለዎ ፍልጠተ ብዓርሰ ምምህሃር ኣቢሉ ብምዕባይ ዝሓሸ ኣሰራርሓ ከም ዝተኸኣለ ወ/ሮ ምሕረት በየነ ሓቢረን፡፡

   ኣብ መወዳእታ ካብ ተሳተፍቲ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር እንታይ ይመስል፣ ፈጣን ግልጋሎት ኣብ ምሃብን እኹል ሓይሊ ሰብ ኣብ ምምላእ፣ ቅብሊት ኣብ ዘይቆርፁ ነጋዶ ዝወሰዱ ሕጋዊ መምሃሪ ዝነኣሰ ምዃኑን ምስ ነፃ ቀረፅን ኮንትሮባንድን ዝተተሓዙ ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ቀሪቦም ካብ መራሕቲ መድረኽን ተሳተፍትን ኣብቶም ዝፍፀሙ ዘለው ዘይሕጋዊ ተግባራት፣ ኣብ ዓበይቲ ነጋዶ ዝውሰዱ ሕጋዊ መምሃሪ ቅፅዓታትን ምስ ምስፍሕፋሕ ቴክኖሎጅ ዝምልከት ግቡእ ዝኾነ ግብረ መልስን ርኢቶን ምስተወሃበ እቲ መድረኽ ዘተ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡

 

 

  

 

 

ኣብ ቅብሊት ዘይምቑራፅ ዝረኣዩ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ኣካብነት ክራይ ንምውጋድ ኣበርቲዖም ከም ዝሰርሑ ኣመራርሓን ነጋዶን ክፍለ ከተማ ዓይደር ገሊፆም

ነዚ ዝተገለፀ ቅንያት ግብሪ 2009 በጀት ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምስ ኣመራርሓ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን፣ከፈልቲ ግብሪ ውዳበታት ሓፋሽ ማሕበራትን ልምዓት ጉጅለን ደኣንትን ብሓባር ኣብ ዘሳልጥዎ መድረኽ ዘተ ኣብ ቅብሊት ዘይምቑራፅ ዝርኣዩ ምስዋርን ምጭብርባርን ግብሪ ንምውጋድ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ ክብላ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ዓይደር ወ/ሮ ሰለማዊት ሓድጉ ኣገንዚበን።


ኣብ ምሕደራ ግብሪ ዝርኣዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ብሓባር ንከላኸል ብዝብል መሪሕ ቃል ብብርኪ ክልልና ተጠናኺሩ ዝኽበር ዘሎ ኮይኑ ከፈልቲ ግብሪ ክፍለ ከተማ ዓይደር ሪፎርምታት ግብርን ታክስን ብምትግባር ኣካብነት ክራይ ብሓባር ንቃለስ፣ ግብሪ ምኽፋልን ንግዲ ፍቓድ ምሕዳስን ባህልና ንግበሮ፣ ንተገልገልቲ ዓማዊል ቅብሊት ምሃብ ባህልናን ልምድናን ክንገብሮ ኣለና ብዝብል መሪሕ ጭርሖታት ተዓጂቡ ልምዓታውን ዲሞክራሲያውን መስመር ካብ ዘመንጨዎ ቁጠባ ፍትሓዊ ግብሪ ብምእካብ ናይ መንግስቲ ወፃእታት ብውሽጣዊ ዓቕምታት ንምሽፋን ዝያዳ ተጠናኺርካ ምስራሕ ከም ዘድሊ እተን ሓላፊት ገሊፀን።


 

ሰኣን ጥቡቕ ደገፍን ክትትልን 6መንግስቲ ንኸፈልቲ ግብሪ ካብ ቫት ካብ ተጠቀምቲ ዓማዊል ዝርከብ እቶት ንምእካብ ሓላፍነት ሂቡ ኣክቡለይ ኢሉ ዋላ ሓላፍነት ይሃቦም ኣብ ምትግባሩ ክራይ ኣከብቲ ነጋዶ ንውልቀ ረብሐኦም እንተውዕልዎ ይረኣይ ብምህላዉ ኣብ ምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ብተደጋጋሚ ግንዛበ መዕበይ ትምህርትን ስልጠናን ብምሃብ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ወሳኒ ከም ዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ መቐለ መተሓባበሪት ከይዲ ስራሕ ምኽባር ሕጊ እቶትን ኢንተለጀንስን ወ/ሮ ዘምዘም ኣደም ብተወሳኺ ኣገንዚበን።

 

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ እውን ግብሪ ምኽፋል ሰላምን ልምዓትን ክምዕብል፣ማሕበራውን ፖለቲካውን ስራሕትና ክሳለጡ ዝገበር ብምዃኑ ኣብ ቅብሊት ዘይምቁራፅ ዝርኣዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ብምድኻም ምኽፋል ግብሪ ባህልና ክንገብሮ ኢና ክብሉ ቃል ኣትዮም።

 

 

                                                   በዓል መዚ ልምዓት እቶት

 

 

“ኣብ ቅብሊት ምቑራፅ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣካይዳ ናብ ስርዓት ንምእታው ኣብቲ ሕ/ሰብ ምንቕናቕ ብምፍጣር ንክራይ ኣከብቲ ብትረት ምቅላስ እዋኑ ሕዚ’ዩ።”  

 

ልምዓታውን ዲሞክራሲያውን መንግስትና ኣብ ሃገርና ኣንፀላልዩ ዝነበረ ሚሒር ድኽነትን ድንቁርናን ትሑት መሰረተ ልምዓትን ናብ ልምዓት ንምቕያር ፣

 

  • ዝተፈላለዩ ፖሊስታትን ስትራተጂታትን ብምቕራፅ ፣
  • ህልኽካ ዘወድእ ቃልሲ ብምክያድ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘተባብዕ ውፅኢት እንዳተመዝገበ ይርከብ ኣሎ።

 

  • ሓደ ካብቶም ተቐሪፆም ለውጢ ኣብ ምምፃእ ዝርከቡ ዘለዉ ሪፎርምታት ድማ ኣብ ስርዓት ምምሕዳር ግብሪ ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ኣካይዳ መልክዕ ዘትሕዝ እዩ።
  • ከምዝፍለጥ መንግስትና ሓደ ካብቶም ክራይ ኣከብቲ ዘንፀላልውሎም ሴክተራት እቶት ኢሉ ኣነፂሩ እዩ።
  • ነዚ መሰረት ብምግባር ምስ በቢ ደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓ ምርድዳእ ብምግባር፣
  • ምስቲ ኣመራርሓ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘርፍ ማሕበራትን ማሕበረሰብ ንግድን ምርድዳእ ብምግባርን ሰፊሕ ቃልሲ ብምክያድን ናብ ዘሓሸ ደረጃ በፂሑ’ዩ ምባል ይከኣል።
  • ብፍላይ ምስቲ ታሕተዋይ ነጋዳይ ዝነኣድ ምርድዳእ ተፈጢሩ እዩ።
  • ኣብቶም ላዕለዎት ግብሪ ከፈልቲ እንተኾነ’ውን ግብሪ ንልምዓት ከምዝኾነን ኣብ እንታይነትን ኣድላይነትን ግብሪ ሰፊሕ ምርድዳእ ኣለና።
  • ይኹን’ምበር ሐዚ’ውን ዘይተሰገረ ዓብይ ፀገም ኣለና። ንሱ’ውን ኣብቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ቅብሊት ቆሪፁ ዘይምሃብን ኣብቲ ሕ/ሰብና ድማ ቅብሊት ሃበና ኢሉ ዘይምቕባን ዘሎ ፀገም’ዩ።
  • ካብዚ ዝተርፍ ገንዘብ ድማ ንክንደይ ፀገማት መሰረት ልምዓት ምሸፈነልና ነይሩ።
  • ኣብዚ ኣብ ቅብሊት ምቑራፅ ዝምልከት
  • ዝተወሰኑ ነጋዶ ቅብሊት ብዝግባእ እንዳቆረፁ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ዝገብሩ ኣለዉ።
  • ዝተወሰኑ ድማ ሓደ ሓደ ዝቆርፁ ዝበዝሕ ድማ ዘይቆርፁ ኣለዉ
  • ጠቕሊሎም ድማ ዘይቆርፁ ኣለዉ።
  • እዚ ድማ ወንጀል እዩ።

 

ነዚ ከምዚ ዝበለ ወንጀል ዝሰርሑ ኣከላት ድማ ምምሕዳራዊ ገበንን ከቢድ ቅፅዓትን ዘስዕብ ምዃኑ መንግስትና ኣብ ተመሓይሹ ወፂኡ ዘሎ ኣዋጅ ኣታዊ ግብሪ ፌደራል ቑፅሪ 979/2008 ወይ ከዓ ኣዋጅ ኣታዊ ግብሪ ብ/ክ/መ/ትግራይ ቑፅሪ ኣዋጅ 283/2009 ኣብ ኣዋጅ ምምሕዳር ግብሪ ፌደራል ቑፅሪ 983/2008 ወይከዓ ኣዋጅ ምምሕዳር ግብሪ ብ/ክ/መ/ትግራይ ኣዋጅ ቑፅሪ 284/2009 ብግልፂ ደንጊጉ’ዩ።

 

  • ኣብዚ መንግስቲ ካብ ብሕጊ ምቕፃዕ ብምርድዳእ ምፍታሕ እዩ ዝሐይሽ እንዳበለ እንዳሰርሐ ፀኒሑ እዩ። ኮይኑ ግና ካብ በዚ ሐዚ መንግስቲ ከምዚ እንዳበለ ኣይቕፅልን ናብ ምርር ዝበለ ስጉምቲ’ዩ ክኣቱ።
  • ስለዚ ቅብሊት ክቖርፅ ዝኽእል ኣካል ኩሉ ቅድሚ ናብ ቅፅዓት ምእታው ሕጊ ብዝእዝዞ መሰረት ንኽሰርሕን ሕ/ሰብና’ውን ቅብሊት ሃቡኒ ናይ ምባል ባህሉ ንኸዕብን እቶትና በዚ ኣቢልና ብምዕባይ ዘድልዩና መሰረተ ልምዓታት ምእንታን ክማልኡልናን ፍትሓዊ ብዘለዎ መልክዕ ግብሪ ንኽእከብንዓቢይ ሓገዝ ክገብር ከምዘለዎ በዚ ኣጋጣሚ መልእኽትና ክነመሓላልፍ ንፎቱ።

 

 

 

     ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ፍልፍል ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ክንገብሮ ኢና!

 

 

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ግብሪ ሰሙን መሰረት ብምግባር መድረኽ ዘተ ኣካይዱ።

ግብሪ ሰሙን 2009 በጀት ዓመት ኣብ ክልልና “ኣብ ምሕደራ ግብሪ ዝረኣዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ብሓባር ንከላኸል” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝኽበረሉ ዘሎ እዋን ብተመሳሳሊ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ እውን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ እቲ ክፍለ ከተማ ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኸ ዘተ ኣካይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸባ መተሓባበሪት ምኽባር ሕጊ እቶትን ኢንተለጀንስን ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ መቐለ ወ/ሮ ዘምዘም ኣደም ኣብዚ ሐዚ እዋን እናተኸበረ ዘሎ ግብሪ ሰሙን ቀንዲ ዕላምኡ ኣብ ጉዳይ ቅብሊት ዝፍፀሙ ዘለዉ ዘይሕጋዊ ተግባራት መፍትሒ ንምቕማጥ “ቅብሊት ምሃብ ድርብ ኩርዓት ቅብሊት ዘይምሃብ ፀረ ልምዓት” ብዝብል ጭርሖ ተሓጊዙ እናተኻየደ ይርከብ። ስለዚ ኣብ ኣጠቓቕማ ቅብሊት መንግስቲ ካብ ተጠቀምቲ ግብሪ ንምእካብ ንነጋዶ ዝሃቦም ውክልና ወይ ከዓ ሓደራ ሓላፍነቶም ንክዋፅኡን ፍትሓውን ተመጣጣንን ግብሪ ንምእካብን ኩሉ ሕብረተሰብ ብንጥፈት ዝሳተፈሎም መድረኻት ኣገደስቲ ከም ዝኾኑ ሓቢረን።

                                                                                                  

ምስዚ ብተዛማዲ ናይ ከተማ ነባሪ ማሕበረሰብ ንግድን ዓዳግን ስለ ዝኾነ ቅብሊት ሓታቲ ተጠቃሚ ማሕበረሰብን ቅብሊት ብቅንዕና ዝህብ ነጋዳይን ብምፍጣር ጉዳይ ቅብሊት ጉዳይ ኩሉ ሕብረተሰብ እናኾነ እዩ። ከምኡ እውን ኣብ መሸጣን ክራይን ገዛ ዝረኣዩ ዘለዉ ዘይሕጋዊ ተግባራ መሰረታዊ መፍትሕታት ንምቕማጥ ኩሉ ሕብረተሰብ ብቅንዕናን ብእምነትን ዝሳተፈሎም መድረኻት ብምድላው ፍትሓዊ ሃፍቲ ክፍፍል ዘመዓራርን ኣብ ልምዓት ዝውዕልን ኣታዊ መሰረት ዝገበረ ተመጣጣኒ ምኽፋል ግብሪ ብተሳትፎ ሓፋሽ ህዝቢ እናተረጋገፀ ከም ዝኾነ ኣመሓዳሪ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣይተ ገ/መድሂን ኣረጋይ ገሊፆም።

ኣብ መወዳእታ ቅብሊት ኣብ ምቑራፅ ዘሎ ኩነታት ከመይ ከም ዝኾነ፣ ተወሳኺ እሴት ታክስን ሒሳብ መዝገብን ኣብ ምትሓዝ ከመይ’ዩ? ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ፍትሓውነትን ምኽፋል ግብሪ ዘሎ ኣፈፃፅማን እንታይ ይምስል? ብግብሪ ኣቢልካ ሃፍቲ ክፍፍል ሕብረተሰብ ኣብ ምርግጋፅ እንታይ ክያዶታት ተኸይዶም? ዝበሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን ካብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዘተ ተላዒሎም ካብ መራሕቲ መድረኽን ተሳተፍቲ ኣካላትን ግቡእ መብራህርህን ርኢቶን ምስተውሃበ ኩሉ ተሳታፊ “ኣብ ምሕደራ ግብሪ ዝረኣዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ብሓባር ንከላኸል” ብዝብል ቃልኪዳን ብምእታው እቲ መድረኽ ዘተ ተዛዚሙ።

 

                                                            

       በዓል መዚ ልምዓት እቶት

 

 

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ኣጠቓቕማ ቅብሊት ኣመልኪቱ ምስ ወነንቲ ውልቀ ትካላት ጥዕና መድረኽ ዘተ ኣካይዱ

ኣብ ከተማ መቐለ ግልጋሎትን ንግድን ንምሃብ ኣብ ሆስፒታላት ፣ ክልኒካትን ኣብያተ መደብር መድሓኒትን ዝተዋፈሩ ወነንቲ  ውልቀ ጥዕና ትካላት ንተጠቀምቲ ኣብ መዳይ ምቑራፅን ምሃብን ቅብሊት ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ሓደ መዓልቲ መድረኽ ዘተ ብበዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ምስ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ መቐለ ከም ዝተኻየደ ተሓቢሩ።

ሃገርና ናይ ግብሪ ፖሊስን ሪፎርምታት ብምቕራፅ ካብ ዜጋታት ፍትሓውን ተመጣጣንን ግብሪ ብምእካብ ሰላም፣ልምዓትን ዲሞክራስን ኣብ ምርግጋፅ ዓብይ ዝላ ተመዝጊቡ እዩ። ብፍላይ ፍትሓዊ ሃፍቲ ክፍፍል ዜጋታት ንምርግጋፅ ኣታዊ መሰረት ዝገበረ ፍትሓዊ ግብሪ ብምእካብን ዘመናውን ሕጋውን ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ብትግባርን ውሽጣዊ እቶት ክልልናን ሃገርናን ብምዕባይ ኣብ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት፣ማሕበራዊ ግልጋሎትን ዓበይቲ ፕሮጀክታትን ወሳኒ ጉዳይ ኮይኑ ጉዕዞ ህዳሴና ብምርግጋፅ ናብ ተርታ ማእኸላይ ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለወን ሃገራት ንምእታው ካልኣይ ትልሚ ዕብየትን ስግግርንእናተተግበረ እዩ። በዚ መሰረት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ውሽጣዊ ፍልፍል ኣታዊ ክልልናን ሃገርናን ንምዕባይ ሓገዝቲ ዝኾኑ ኣብ ምልማዕ ሓይሊ ሰብ፣ ግንዛበ ምዕባይን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ፣ ዘመናዊ ስርዓት ኣተሓሕዛ መረዳእታ፣ ምርግጋፅ ልዕልነት ሕግን ምዕባይ እቶትን ዝኣመሰሉ ሪፎርምታት ግብሪ ኣብ ምትግባር ይርከብ። በዞም ሪፎርምታት ኣብ ኣከብትን ከፈልትን ግብሪ ዝመፀ ግንዛበን ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢን፣ሪፎርምታት መፍለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ፣ ሒሳብ መዝገብ፣መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ ፣ ተወሳኺ እሴት ታክስን ተርን ኦቨር ታክስን ኣብ ምትእትታው ፣ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ምዕባይ እቶትን ዝሓሸ ውፅኢት ዝመፀ ኮይኑ ሕዚ’ውን ግን ኣብ ጉዳይ ቅብሊት ምሃብን ምቑራፅን ተወሳኺ ፃዕሪ ከም ዘድሊ ዋና ዳሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ምሕረት በየነ ሓቢረን።

 

ሕጋዊ ስርዓት ኣጠቓቀቕማ ቅብሊት ከፈልቲ ግብሪ ከካትቶም ዝግባእ ነጥብታት እቶም ቀንድታት ስም ከፋሊ ግብሪ፣መፍለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብርን ስም ንግድ ትካላትን ዝኣመሰሉ ከይኖም ኣብ ከፈልትን ኣከብትን ግብሪ ኣገደስቲ ረብሓታት ይህብ’የ ነጋዶ ቅብሊት ብኣግባቡ ብምጥቃሞም ንግዲ ትካሎም ንምፍላጥ፣ ፍትሓዊ ግብሪ ንምኽፋል ፣ ብኽነት ንምክልኻልን ተወሳኺ እሴት ታክስ ንምኽፋልን ዝጠቕሞም ኮይኑ ብመዳይ ኣከብቲ ግብሪ ድማ ኩነታት ሕጋውነት ነጋዶ ንምፍላጥ ፣ መረዳእታ ዕዳጋን መሸጣን ንምርኣይን ቅሬታ ኣብ ምፍታሕን ሓጋዚ እዩ። ይኹን እምበር ዘይቅኑዓት ነጋዶ ብዝፍፅምዎም ዘይሕጋዊ ኣጠቓቕማ  ቅብሊት ካብ ረብሕኡ ጉድኣቱ ስለ ዝዓቢ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ በቲ ዝወፀ ሓዱሽ ኣዋጅ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ  መሰረት ንሓቲ ቅብሊት ብዘይምቆርፁ 50 ሽሕ ብር ይቕፃዕ ዝብል ሕጊ ተግባራዊ ከም ዝግበር ወናኒ ኣ/ከ/ስ/ሕግን እቶትን ኢንተለጀንስን ኣይተ ተስፋይ ታደሰ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ መወዳእታ ምስ ንግዲ ፍቓድን በዓል ዋናን ምስ ቅብሊት ዘለዎም ረኽቢ እንታይ ይመስል? ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ደገፍን ዘሎ ኩነታት? ናይ ጥዕና ስራሕ ምስ ዘለዎ ክብደትን ክኽተሎ ዝኽእል ሰዓቤንን ብመንግስቲ ዝግበረሉ ትኹረት፣ደገፍን መተባብዕን እንታይ ኣሎ? ንመስርሒ ትካል ዝግበር ዘሎ ናይ ክራይ ኩነታት እንታይ መፍትሒ ክወሃቦ ይኽእል ዝብሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን ካብ ተሳተፍቲ ተላዒሎም ካብ መድረኽን ዝምልከቶም ኣከላትን ግቡእ መብራህርህን ርኢቶን ምስተወሃቦም እቲ መድረኽ ዘተ ብዓወት ተዛዚሙ። 

 

Subcategories

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

January 2018
123456
78910111213
14151617181920
21222324252627
28293031

በዝሒ ጎብነይቲ

047431
ሎምዓንቲሎምዓንቲ36
ትማሊትማሊ44
ኣብዚ  ሰሙንኣብዚ ሰሙን95
ኣብዚ ወርሒኣብዚ ወርሒ1193
ጠቕላላ ክሳብ ሐዚጠቕላላ ክሳብ ሐዚ47431

We have 94 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved