top
logo

ሕትመታት

መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ መሽን ኣብ ኢትዮጵያ

ኣብ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርናን ክልልና ዝተኣታተው ዘሎ መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ ናይ’ዚ ዘመንና ዝለዓለ ብርኪ ዝወነነ ሓድሽ ውፅኢት ቴክኖሎጂ እዩ እዚ መሳርሒ ኣብ ፈላማ ብዋናነት ንግዲ ትካላት ናይ ንግዲ ትካሎም ዕለታዊ ጠቕላላ መሸጣ ብቐሊሉን ዝተሳለጠን ርትዓዊ ብዝኾነ መንግድን ንምፍላጥ ንምቑፅፃርን ንምክትታልን ተባሂሉ ብውልቀ ህርኩት ነጋዳይ ዝተመሃዘ መሳርሒ ‘ዩ ነይሩ።

ይኹን እንበር እዚ መሳርሒ ብዝህቦ ረብሓ ብምርኣይ ኣከብቲ ግብሪ ኮላይ ልምዓታዊ መንግሰትና ኣብ ሓቓዊ መረደእታ ዝተደረኸ ግብርን ታክስን ካብ ከፈልቲ ግብሪ ንምእካብ እዚ ውፅኢት ሓድሽቴክኖሎጂ ዝኾነ መሳርሒ ምጥቃም መማረፂ ዘይብሉ ምዃኑ ብምርዳእ ክተኣታተው ተገይሩ ኣሎ።

ስለዚ እዚ መሳርሒ ብሓቀኛታት/ልምዓታውያን/ ነጋዶ ኣዝዩ ተመራፂ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኸውንን። ምኽንያቱ ድማ ካብ ግምታዊ ፍርዲ ኣብዚሒኻ ወይ ነኪኻ ዝውሰን ዘይፍትሓዊ ግብርን ታክስን ኣናጊፉ ኣብ ዘተኣማምንን ርትዓዊ ዝኾነን መረዳእታ ዝተደረኸ ግብርን ታክስን ንምእካብን ከምኡ’ውን ብገለ ገለ ነጋዶ ብጎሓሉ ሰራሓታኛታቶም ዝስረቖም ዝነበረ ገንዘብ ንምዕጋት ተባሂሉ ሕዚ ኣብ ክልልና ብሰፊሑ ይተኣታተው ኣሎ።

ስለዚ እቶም ካብ ዝእክብዎን ዝረኽቡዎን ትክክለኛ ኣታዊ ግብርን ታክስን ንምኽፍል ባህግን ድልየትን ንዘለዎም ልምዓታዊን ነጋዶ እዚ መሳርሒ ተመራፂ እንትኸውን ካብዚኦም ወፃኢ ንዘለዎ መጭበርበርን ዘይልምዓታውያን ነጋዶ ግን እዚ ማሽን ተኣታትዩ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኣይደልዩን። ምኽንያቱ ከጭበርብሩ እንተኾይኖም ትክክለኛ መረዳእታ ዘቕርብ ማሽን ምጥቓም ዘዋፅኦም ስለዘይኮነ።  

በዚ መሰረት መንግስቲ ዝተፈላለየ ረብሓታትን ዋኒናት ዝውንን ዝሓዞ መረዳእታ ካብ ምጥፋኣን ምድላዝን ዝከላኸል መጠራቐሚ መረዳእታ (Fiscal Memory) ዝተገጠመሉ መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ ከፈልቲ ግብሪ ዓዲጎም ክጥቐሙ ብምግዳድ ኣብ ጭቡጥ መረዳእታ ዝተመስረተ ግብሪ ክኸፍሉ እዚ መሳርሒ ኣታኣትዎ ኣሎ፡፡

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

April 2017
1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
30

We have 4 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved