top
logo

ሕትመታት

 መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ ክጥቀሙ ዝግደዱ ከፈልቲ ግብሪ እቲ መሳርሒ ኻበይ ይገዝእዎ?

መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ ካብ ዝኾነ ሹቕ ገዚኢኻ ዝጥቀም መሳርሒ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ መሳርሒ ከቕርቡ ብበዓል መዚ ፍቓድን ኣፍልጦን ካብ ዝረኸቡን ዝተመዝገቡን መቕረብቲ ጥራሕ እዩ ክግዛእ ዘለዎ። በዚ መሰረት ካፍቶም ብበዓል መዚ እቶትን ጉምሩክን ፍቓድን ኣፍልጦን ዝተወሃቦም ኣብ ክልልና መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ ከቕርቡን ግልጋሎት ቴክኒክ ክህቡን ፍቓደኛታት ዝኾኑ ትካላት ንምጥቓስ

  • ጉና ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ምስ/MIT/ ካርቫን የመረጃ ኮሚዩኒኬሽን ምህንድስናንን ቴክኖሎጂ ሓ/ዝተ/ው/ማሕበር ማእኸል ቴክኒክ ግልጋሎት ብምትሕብባር
  • ኣይ-ፖስ ኢንተርናሽናል ትሬዲንግ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር
  • ኦሜዳድ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር እንትኾኑ ኣብ ቐፃሊ ዝውሰኹ መቕረብትን ግልጋሎት ቴክኒክ ወሃብቲ እንተሃልዮም ካብ በዓል መዚ ሓቲትካ ምርካብ ይከኣል ‘ዩ።
  • ኣፍልጦ ዝተወሃቦም መቅረብቲ ካብ ፊደራል ድሕረ ገፅ www.mor.gov.et ምርኣይ ይካኣል እዩ
  • ብተወሳኺ ኣፍልጦ ዝተወሃቦም መቅረብቲ ናብ በዓል መዚ ደዊልካ ምሕታት ይካኣል ‘ዩ

መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ ዓዲግካ ንምጥቃም ዘድልዩ ረቋሓታት                

  • ዝተሓደሰ ንግዲፍቓድ
  • መለለይ ቑፅሪ ከፋሊ ግብሪን /TIN/ ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን /ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ እንተኾይኑ ድማ /VAT/ ሰርተፍኬት
  • ዋና ምዝገባ ንግዲ /ተወሳኽቲ ጨንፈር ንግዲ ቦታት እንትሃልዩ ብግልፂ ክግልፅ ኣሎዎ
  • ወኪል እንተኾይኖም ናይ ውክልና ደብዳቤን መለለይ ካርድን
  • ናይቲ ትካል ማሕተም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ መረዳእታት ኦርጁናል ምስ ፎቶ ኮፒ ሒዞም ኣፍቲ ከባቢ ከቕርቡ ፍቓድ ዝተወሃቦም መቅርብቲ ከይድካም ምዕዳግ ይካኣል’ዩ።

መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ ዓዲካ ብዘይምጥቓም ዝስዕብ ቕፅዓታት

  • ብመሰረት በዓል መዚ ዘውፅኦ ግዜ ሰሌዳ መሰረት መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ ዓዲጎም ክጥቀሙ ዝግብኦም ከፈልቲ ግብሪ ብናይ ሕጊ ድንጋገታት መሰረት ኣፍልጦ ዝተውሃቦም መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ ብምጥቃም ቅብሊት መሸጣ ኣዳሊዮም ንተጠቃሚ ናይ ምሃብ ግቡእ ኣለዎም
  • እዚ ብምምሕልላፍ ማለት መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ ክጥቀም ዝግበኦ ከፋሊ ግብሪ ከይተጠቐመ ዝተረኸበ ወይ በቲ መሳርሒ ተጠቒሙ ዝኾነ ይኹን ምጭብርባር ተግባር ዝፈፀመ ኣግባብነት ብዘለዎ ናይ ግብሪ ሕጊ መሰረት ብገበን ተሓታቲ ከምዝኸውንን ብተወሳኺ ድማ ፍቓዱ ንግዲ ክስረዝ እዚ በዓል መዚ ንዝምልከቶ ኣካል ከምዝእዝዝ ኣብ ደንቢ ቑፅሪ 139/1999 ዓንቀፅ 20 ተቐሚጡ እዩ
  • ብተወሳኺ ብሕጋዊ መንገዲ መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ ኣብዘይጥቀሙ ከፈልቲ ግብሪ ዝስዕብ ዝርዝር መቕፃዕታት /ምምሕዳራዊን ናይ ገበን መቕፃዕቲታት/ ተግባራዊ ክግበር ኣብ ገቢ ግብሪ ኣዋጅ 608/2001 ን ተ.እ.ታ ኣዋጅ 609/2001 ወይ ናይ ትግራይ ኣታዊ ግብሪ ንምምሕያሽ ዝወፀ ኣዋጅ ቁፅሪ 180/2002ን ተሓጊጉ ይርከብ

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

November 2017
1234
567891011
12131415161718
19202122232425
2627282930

We have 54 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved