top
logo

ሕትመታት

 

 ብመሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ ክጥቀሙ ዝግደዱ ከፈልቲ ግብሪ እንመን እዮም ?

 ብመሰረት ደንቢ መመርሕን ኣጠቓቕማ መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ ደንቢ ቑፅሪ 139/1999 ዓንቀፅ 3ን መምርሒ ቑፅሪ 46/1999 ዓንቀፅ 4ን ድንጋገታት መሰረት በዓል መዚ መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ ናይ ምጥቃም ግቡእ ዘለዎም ከፈልቲ ግብሪ በቢ ምድቦም መሳርሒ ምጥቃም ዝጅምርሉ ግዘ ሰሌዳ ብናይ ህዝቢ ዘውፅኦ ምልክታ /ጊዜ ሰሌዳ/ መሰረት ዓዲጎም ክጥቀሙ ፃውዒት ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ክጥቀሙ ይድንግግ፡፡

 በዚ መሰረትበዓል መዚ ክልልና ካብ መፈለምታ ወርሒ ነሓሰ 2003 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ከተማ መቐለ /VAT/ተመዝገብቲ ኣብ ዝኾኑ ከፈልቲ ግብሪ በቲ መሳርሒ ክጥቀሙ ፃውዒት ኣቕሪቡ ዝጀመረ እንትኸውን ካብ ወርሒ ግንቦት 2004 ዓ/ም ጀሚሩ ድማ ኮላይ ኣብ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ብሮድ ባንድ ኣብዘለወን ኩለን ዓበይቲ ከተማታት ሒሳብ መዝገብ ክሕዙ/ ቅብሊት ክጥቀሙ ዝግደዱ/ ከፈልቲ ግብሪ በዚ መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ ክጥቀሙ ዝግደዱ ከፈልቲ ግብሪ ምኖም ክፈልጡ ብመረኸቢ ሓፋሽ ክጋዋሕ ተገይሩ እዩ፡፡

 በዚ መሰረት ክልል በዓል መዚ ልምዓት እቶት ምስ ጨንፈር ሰሜን ፊደራል እቶትን ጉምሩክን ብምን ከምዝስዕብ ግዘ ሰሌዳ ኣውፂኡ ንተግበራውነቱ ይንቐሳቓስ ኣሎ ፦

 ካብ ሓምለ 2003 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ መቐለ ዝርከቡ ተመዝገብቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝኾኑ

  • ካብግንቦት 2004 /ምጀሚሩድማኣብኩለንዓበይቲከተማታትንኮላይ ኣብወረዳቓፍታሑመራዝርከቡኩሎምሒሳብመዝገብክሕዙዝግብኦምከፈልቲግብሪ
  • ካብ ሓምለ 2004 ዓ/ም ጀሚሩ ድማ ኣፍተን ዝተረፋ ከተማታትን ወረዳታትን ትግራይ ዝርከቡ ኩሎም ሒሳብ መዝገብ ክሕዙ ዝግብኦም ከፈልቲ ግብሪ በዚ መሳርሒ ተጠቒሞም መሸጠኦም ከካይዱ ዝግደዱ ኣካላት ምኖም ብትልሙ ኣቐሚጡ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ኣሎ።

 ንጊዚኡ መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ ክጥቐሙ ዘይግደዱ ከፈልቲ ግበሪ

 ናይ መንግሰቲ ኣብያቲ ዕዮ፣ባንኪታት፣ ትካላት ኢንሹራንስ፣ ናይ ህዝብን ፅዕነትን መጓዓዝያ ግለጋሎት ወሃብቲ ትካላት

  1. ናይ ነዳዲ መዐደልታት፣
  2. ናይ ኢንሹራንስ መሸጣ ወኪላት፣
  3. ናይ ውለቐ ሰብ መካረይቲ፣
  4. ካብ መከላኸሊ ብረታ ብረት ኢንጀነሪንግ ኮርፕሬሽን ንጊዚኡ ሰራሕ ዘይብሎም ተባሂሎም ዝርዝሮም ዝተመሓላለፈ ኣብ ኮንስትራክሽን ስራሕ ዝተሰማረዩ ከፈልቲ ግበሪ፣
  5. ኣብ ደቀቅትን ኣንኣሸተይን ኢንተርፕራይዝ ተወዲቦም ዝርከቡ ትካላት

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

April 2017
1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
30

We have 36 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved