top
logo

ሕትመታት

 

ብመሰረቱ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት እቶት ዋላኳ እንተሃለዉ መንግስቲ ቐንዲ ትኹረቱ ኣብ ዜጋታት ዝኸፍልዎ ግብርን ቐረፅን ክኸውን ኣለዎ እንትበሃል ናይ ባዕሉ ዝኾነ መሰረታዊ ምኽንያት ኣለዎ እዩ። ናይ መንግስቲ እቶት ኣብ ናይ ወፃእ ሓገዝ ወይ ድማ ልቓሕ ዝተመስረተ እንተድኣ ኮይኑ ብሓገዝ ባዕዳዊ መንግስቲ ወይ ድማ ዘይመንግስታዊ ትካል /ገባሪ ሰናይ/ ዝመሓደር መንግስቲ ድሌት ዜጋታቱ ከማልእ እዩ ኢልካ ኣይሕሰብን። ምኽንያቱ እቶም ሓገዝ ወይ ልቓሕ ዝህቡ መንግስታት ወይ ድማ ዝተፈላለዩ ዘይመንግስታዊ ትካላት ናይ ባዕሎም ድሌትን ዕላማን ስለዘለዎም ድሌት እቲ ዝሕግዝዎ ወይ ዝረድእዎ መንግስትን ህዝብን ዘይኮነስ ናይ ባዕሎም ድሌት (Interest) ስለዘለዎም ፀቕጢ ብምግባር ናይ ባዕሎም ድሌታት መፈፀሚ ስለዝደልይዎ እዩ። እዞም ባዕዳውያን መንግስታት ወይ ዘይመንግስታዊ ትካላት ወይ ገበርቲ ሰናይ ብዘይ ገለ ረብሓ ኢዶም ክዝርግሑ ስለዘይኽእሉ ብናቶም ድሌት ዝዝወር መንግስቲ ክፈጥሩ ስለዝደልዩ እቲ ዝህብዎ ሓገዝ ይኹን ልቃሕ ናይ ባዕሉ ሓደጋ ኣለዎ እዩ።

 

ስለዘየለ እቶት ምስ ነፃነትን ሉኣላውነትን ሃገር እውን ዓብይ ምትእስሳር ዘለዎ እዩ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ናይ ውሽጢ ዓዲ እቶት ምትኳር ናይ ባዕሉ ዝለዓለ ረብሓ ይህልዎ።

ሰለዝኾነ′ውን መንግስቲ ግብሪ እንትእክብ ፣ ፍልፍል እቶት እንተነፅር ፣ ስሉጥ ቐፃልነት ዘለዎ ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ ዘረጋግፅ ልምዓትን ዕብየትን ንምርግጋፅ ብዘኽእል መንገዲ ክፍፀም ይግባእ። ብመሰረቱ ግብሪ ናይ ልምዓት ወይ ወፃኢታት መንግስቲ ንምሽፋን ጥራሕ ዓሊሙ ዝእክብ እንተይኮነስ ፣

·         ገፊሕ ፍልልይ መነባብሮ ዜጋታት ንምፅባብ ፣

·         ዝተረጋግዓ ቁጠባዊ መስተጋብር ንምርግጋፅ ፣

·         ኢንቨስትመንት ብንምትብባዕ ሸርፊ ወፃኢ ንምሕያልን ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ፣

·         ባህሊ ቁጠባ ዜጋታት ንምዕባይ ከምኡ′ውን ንጥዕናን ድሕንነትን ዜጋታት ሓደገኛ ዝኾኑ ሸቐጣትን ግልጋሎታትን ንምድኻም (To discourage dangerous or Injurious goods)፣

·         ሃፍቲ ኣብ ሕንቃቐን ምቾትን ኣቁሑት ከይባኽን (To discourage lexurious goods) ብኣንፃሩ ኣብ ልምዓት ዝዓበየ ሃፍቲ ክፈስስ ዘክእል ዕላማታት ዝሓዘ እዩ። ነዚ ንምግባር ዘኽእሉ ፖሊስታትን ሕግታትን ግብሪ ድማ ኣብ ስራሕ ውዒሎም ይርከቡ።

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

October 2017
1234567
891011121314
15161718192021
22232425262728
293031

We have 75 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved