top
logo

ሕትመታት

ቀጥታ ዝኾኑ ግብሪታት/ታክሲ

ዝኾነ ይኹን ውልቀ-ሰብ ወይ ትካል ካብ ዝረኸቦ ኣታዊ መሰረት ብምግባር ግብሪ/ታክሲ ዝትመነሉ ወይ ዝምደበሉ ኣገባብ ብቀጥታ ኣብ’ቲ ሰብ ዝዓርፍ ኮይኑ ኣብዚ ዝካተቱ ድማ

ሀ. ካብ ቑፃር ዝርከብ ኣታዊ ግብሪ፣

እዚ ግብሪ‘ዚ ሰባት ተቖፂሮም ካብ ዝረኽብዎ ኣታዊ ዝሕሰብ ግብሪ እዩ። ዝኾነ ሰብ ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ይኹን ኣብ ካልኦት ውልቀ ትካላት ብምቑፃር ወርሓዊ መሃያ ካብ ብር 150.00 ንላዕሊ ብጥረ ገንዘብ ይኹን ብዓይነት ዝኽፈሎ ግብሪ ይውሰነሉ።

ለ. ካብ ገዛ ክራይ ዝርከብ ኣታዊ

ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ካብ ገዛ ምክራይ ዝርከብ እቶት ኣብ ኣዋጅ ቁፅሪ 286/94 ዓንቀፅ 15 ብዝተቐመጠ ሰደቓ መሰረት ግብሪ ይኽፈሎ። እቲ ገዛ ምስ ካልኦት ንብረታት (ኣቕሑ) ሓዊሱ ዝተኻረየ እንተኾይኑ እቲ ዝርከብ እቶት ብድምር ግብሪ ይሕሰበሉ።

  • መካረይቲ ብሕጊ ሕጋዊ መሰል ሰብነት ዝተውሃቦም ትካላት እንተኾይኖም ግብሪ ካብ ዝኽፈሎ መጠን 30% ይኸፈሉ።
  • መካረይቲ ውልቀ ሰባት እንተኾይኖም ድማ ስዒቡ ብዘሎ ስደቓ መሰረት ይውሰነሎም።

.ካብ ንግዲ ስራሕ ዝርከብ ኣታዊ ግብሪ ከምኡ ‘ውን፣

እዚ እቶት ‘ዚ ብመሰረት ኣዋጅ ቑፅሪ 286/94 ካብ ስራሕቲ ምንቅስቓስ ንግዲ ዝእከብ ግብሪ እዩ። ዝኾነ ይኹን ትካል ንግዲ ወይ ውልቀ ሰብ ኣብ ዓመት ካብ ዘንቀሳቕሶ ስራሕቲ ንግዲ ኣታዊ ብመሰረት ሰደቓ “ሐ” ግብሪ ክኽፈል ይግባእ።

ካብ ስራሕቲ ንግዲ ምንቅስቓስ ዝርከብ ኣታዊ ግብሪ ነፃ ዝኾኑ እንመን እዮም?

  • ሓዱሽ ቴክኖሎጂ ንሓደ ዕላማ ዝስርሑ ስራሕቲ ኣሳልጦን ወፃኢ ብዝቕንስ መንገዲ ብዘኽእል ንክውዕል ንዘተኣታተው ዝወሃብ መበረታትዒ ወይ ብዝኾነ መንገዲ ዝበለፀ ተግባር ብምፍፃሙ ዝወሃብ ሽልማት፣
  • ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ሕጊ፣ ወይ ብዓለም ለኸ ስምምዕነት መሰረት እቲ በዓል መዚ ግብሪ ንዘይምእካብ ፍቓድ እንትህብ፣
  • ብስራሕቶም ኣጋጣሚ ዝርከብ እቶት እሞ ድማ ናይ ፌደራልን ክልልን መንግስታት ኣብያተ-ዕዮ ከምኡ ‘ውን ከከምኩነታቱ ናይ ከተማ ምምሕዳር ኣብያተ ዕዮ፣ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንክ እዮም።

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

June 2017
123
45678910
11121314151617
18192021222324
252627282930

We have 16 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved