top
logo

ሕትመታት

መእተዊ

ብርክት ዝበላ ሃገራት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ (ICT)ንምምሕየሽን ምልዋጥን ማሕበራውን ኢኮኖሚያዊን ምንቅስቃስ ወሳኒ ተራ ዘለዎ ምዃኑ ተረዲአን ነዚ ቴክኖሎጂ ዝለዓለ ጠመተ ብምሃብ ዝለዓለ ረብሓን ምዕባለን ክረኽባ ክኢለን እየን፡፡ በዚ መሰረት ICT ኣብ ኣተኣኻኽባ እቶት ሃገራት ክህልዎ ዝኽእል ኣበርክቶ መጠኑ ሰፊሕን ዓሚቕን ምዃኑ ብጋህዲ እናተረአየ ዝፀነሐን ዘሎን ሓቂ እዩ፡፡ ብፍላይ ከይዲ ምውሳን ግብርን ታክስን ብኣውቶሜሽን ክሕገዝ ብምግባር ምስ ህልዊ ኩነታተን ዝተጠዓዓመን ፍትሓዊን ኣወሳስና ግብርን ታክስን ክህሊ ብምግባርን ቁልጡፍን ፅፉፍን ግልጋሎት ብምሃብ ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ምንጋስን ዝለዓለ እቶት ኣብ ምርካብን ዓብዪ ውፅኢት እናረኸባ ይርከባ፡፡ በተመሳሳሊ ሃገርና ኢትዮጵያ ’ውን ተረባሒት እዚ ቴክኖሎጂ ንምዃን መጠነ ሰፊሕ ምንቅስቓስ እናገበረት ትርከብ፡፡

 ስለዝኾነ ድማ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስትና ICT ኣብ ኣተኣኻኽባ እቶት ክህልዎ ዝኽእል ኣበርክቶ ብዝድለ መንገዲ ብምፍላይ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ዘኽእል ዓቕሚ፣ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ንምፍጣር ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ቴክኖሎጂን ተባሂሉ ዝተቐረፀ ከይዲ ስራሕ እዩ፡፡

 ትርጉም ከይዲ ስራሕ (ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ቴክኖሎጂን)

 እዚ ከይዲ ስራሕ ዝተዋደደ ስርዓት ምምሕዳር ግብርን ታክስን (SIGTAS) ካብ ክልል ጀሚሩ ክሳብ ከተማታትን ወረዳታትን ብምእትታውን ብምግፋሕን ብICT ዝተሓገዘ ዘመናዊ ግብርን ታክስን ክህሊ ብምግባር ስሉጥን ፅፉፍን ግልጋሎት ንምሃብ ከምኡውን ስርዓቱ ዝሐለወ ምምሕዳር ኢንፎርሜሽንን መረዳእታን እቶት ብምቕራፅ ተግባራዊ ምግባር፣ ምኽርን ስልጠናን ICT ምሃብ፣ ዝርገሐን ግልጋሎት ፅገናን ኔትዎርክ ምክያድ፣ ስፔሲፊኬሽን ናውቲ ቴክኖሎጂ ምድላው፣ ቴክኒካል ግምገማ ምክያድን ክትትልን ድጋፍን ዝተዘርገሐ ዝተዘርገሐ ICT ምሃብ ዘጠቓለለ እዩ፡፡

 

ዓበይቲ ተግባራት እዚ ከይዲ ስራሕ

 

  • ዘመናዊ መርበብ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ምዝርጋሕን ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ምግባርን፣
  • ሓዱሽ ሶፍትዌር ምቕራፅን ንተጠቀምቲ ብምፅዓንን መረዳእታ ቤዝ ምምስራት፣
  • መረዳእታ ኸፈልቲ ግብሪ ካብቶም ካልኦት ከይዲ ስራሕቲን ወረዳታትን ብምትእኽኻብን ብምውዳድን ንተጠቀምቲ ፅሬት ዘለዎ ዝተማለአ መረዳእታ ንምልኣኽ ዘኽእል ዘመናዊ መራኸቢ ሜላ ምትእትታውን ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ምግባር፣
  • ዘመናዊ ሲስተም መረዳእታን ኣጠቓቅማን ውፅኢት ቴክኖሎጂ ኣመልኪቱ ስልጠና፣ ክትትልን ደገፍን ምሃብ፣
  • ሰርቨራት ኣከብቲ ግብርን ካልኦት ነውቲ ቴክኖሎጂን ድሕንነቶም ምሕላው፣
  • ምስ ሰርቨር ዝተተሓሐዙ ተጠቀምቲ ሶፍትዌር ምቁፅፃርን ምክትታልን፣
  • ንመረዳእታ መርበብ፣ ንሶፍትዌርን ካልኦትን ዘድልዩ ኣቑሑት ICT ግልጋሎት ፅገና ብዝተማለአ መንገዲ ምሃብ
  • ጠቕላላ መረዳእታ ኩለን አከብቲ ግብሪ ብባክኣፕ ክተሓዝ ምግባርን ኣድላዪ እንትኾን ድማ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ዝብሉ ብዋናነት ዝጥቀሱ እዮም፡፡

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

April 2017
1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
30

We have 8 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved