top
logo

ሕትመታት

Written on 19/03/2020, 11:55 by admin
2020-03-19-11-55-26በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ምኽባር ሕግታት ግብሪ ኣመልኪቱ ንክኢላታትን መተሓባበርትን ምኽባር ሕጊ ገምጋማዊ ስልጠና ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ፣ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ምኽባር ሕግታት ግብርን ታክስን ኣመልኪቱ...
Written on 11/03/2020, 13:48 by admin
2012በዓል መዚ ልምዓት እቶት ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ መንፈቅ ዓመት 2012 ኣመልኪቱ ምስ መሓውር ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ገምጋም ኣካይዱ፣ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ መንፈቅ ዓመት 2012...
Written on 27/01/2020, 13:01 by admin
45-11ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ብምኽንያት ምኽባር መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ዑደት ኣካይዶም።       ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል...
Written on 06/02/2020, 09:35 by admin
newsኣመራርሓ ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ልምዓት እቶት፣ ኮሙሽን ግምሩክን ፊደራል እቶትን ጨንፈር መቐለ ብሓባር መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ፓነል ዘተ ኣኽቢሮም፣   ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ተሞክሮ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘቕረቡ...
Written on 17/02/2020, 13:04 by admin
09-06-2012መናኣሰይ ዞባ ክልል ስታፍ ኣብ መቐለ መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ፓነል ዘተ ኣኽቢሮም።   ኣብቲ መድረኽ ዕዱም ጋሻ ኮይኖም ቀሪቦም ተሞክሮ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘካፈሉ ተጋዳላይ ዘርኣይ ኣስገዶም ሎሚ እነኽብሮ ዘለና...

በዓልመዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን ንምዕዋት ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ቅድመ ምድላው ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 2008/9 በጀት ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን ሓባርካ ብምስራሕ ብሰፊሕ ተሳትፎን ውዳበታትን ህዝብን ኣቢልካ ስሉጥ ግልጋሎት ንምሃብ ዝዓለመ መድረክ እዩ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትርን ክቡር ዶክተር እምባሳደር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ኣገንዚቦም።

   12

 

 

 ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን ንምዕዋት ካብ ክልል ጀሚሩ ክሳብ ቀዋምን ግዝያውን ግልጋሎት ምውሃቢ ማእኸላት ብምጥንኻር ኣመራርሓ ውድብን መንግስትን፣ ከፈልቲ ግብርን ውዳበታት ሓፋሽ ማሕበራትን ኣብ ዘለውሉ ልዕሊ 90 ሽሕ ብርኪ ሐ ነጋዶን ልምዓት ደኣንትን ኣብ እዋኖም ግብሪ ክኸፍሉን ንግዲ ፍቓዶም ከሐድሱ ብምግባር ልዕሊ 99 ሚኢታዊ ከፈልቲ ግብሪ ንልምዓት ዓዶም ዝውዕል ግብሪ ብዘይ ቅሬታ ንክኸፍሉ በቢ ብርኩ ግንዛበ መዕበዪ ትምህርትን ስልጠናን ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ካብ ቀደማይ ዙር ክሳብ ሳልሳይ ዙር መዓልታዊ መፅናዕቲ  ብምክያድ ዝተወሰነ ግብሪ መሰረት ብምግባር በቢ ብርኩ ሓበራዊ መድረካት እናተሳለጡ ከም ዝርከቡ ክቡር ዶክተር እምባሳደር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ገሊፆም።

እዚ ንመበል ሓምሻይ ግዘ ዝትግበር ክረምታዊ መደብ እቶትን ንግድን እዋናውን ስሉጥን ግልጋሎት ብምሃብ ስርዓት ግብሪ ፍልፍል ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳር ንኽኸውን ዝሕግዝ መድረክ ኮይኑ ምስ ከፈልቲ ግብርን ነባራይ ሕ/ሰብን ዝካየዱ መድረኻት ክሳብ 25 ሰነ 2008 በጀት ዓመት ክዛዘሙ ብምግባር ካብ 26 ሰነ 2008 በጀት ዓመት ክሳብ 30 ሰነ 2008 በጀት ዓመት ምጅማር ምክፋል ግብሪ 2008/9  ንምብሳር ዝተፈላለዩ ምሕዝነታዊ ውድድራት ስፖርት፣ ውድድራት ሕቶን መልስን ሙዚቃዊ ምርኢታትን ምንቅስቃስ ክለባት ግብሪ ንልምዓትን ብምክያድ ንሞዴላት ከፈልቲ ግብሪ በቢ ብርኩ ኣፍልጦ ክወሃቦም ከም ዝግበር ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ምሕረት በየነ ሓቢረን።

 34

 

ኣብቲ ሓበራዊ መድረክ ልምዓታውን ዲሞክራስያውን ኣተሓሳስባ ፈጢርካ ፍትሓውን ተመጣጣንን ግብሪ ምእካብ ወሳኒ ብምኻኑ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ሓደ ምእኸል ቦታ ብምኻን ኣብዚ ክረምታዊ መደብ ሓበራዊ ግልጋሎት ክወሃብ ይግባእ ክብላ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ምሕረት በየነ ኣተሓሳሲበን።

 

                                                            ብደጋፊ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ

 

 

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved