top
logo

ሕትመታት

Written on 03/04/2017, 07:52 by admin
2017-04-03-07-52-30በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ንኣመራርሓ ኣካላት ግንዛበ መዕበዪ ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ።   መደባት ልምዓት እቶት ብተሳትፎ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላት ንምዕዋት ኣብ ሕጋዊ ማዕቀፍ ግብሪ፣ ረብሓታትን ኣድላይነትን ግብሪ፣ መሰረታዊ...
Written on 03/04/2017, 07:22 by admin
2017-04-03-07-22-05ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ንምጥንኻር ሙያዊ ዓቕሚ ክኢላታት ምዕባይ ወሳኒ ምዃኑ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ  መደባትና ብብቕዓት እናፈፀምና ብህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት ልእኽቶ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ንምዕዋት ንጀመርቲ...
Written on 29/12/2016, 11:50 by admin
2016-12-29-11-50-03በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ንመሓውር ክኢላታት ወረዳታትን ከተማታትን ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ። ሓደሽቲ ኣዋጃት ኣታዊ ግብርን ምምሕዳርን ግብርን፣ ስርዓት ኣወሳስና ግብርን ኣተኣላልያ ቅሬታን ይግበአንን፣ ምሓዝ...
Written on 22/02/2017, 12:24 by admin
42-11-42-11ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ መበል 42 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ኣኽቢሮም።   ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ልምዓት እቶትን ነባራት ተጋደልትን ናይቲ በዓል ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ መበል 42...
Written on 03/04/2017, 06:54 by admin
2017-04-03-06-54-57በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ መንፈቕ  ዓመት  ገምጋማዊ ስልጠና ኣካይዱ። በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ሓለፍትን መተሓባበርትን ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳታትን...

ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ መበል 42 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ኣኽቢሮም።

 

ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ልምዓት እቶትን ነባራት ተጋደልትን ናይቲ በዓል ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ መበል 42 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ብድምቀት ኣብ ዘኽበርሉ እዋን ኣብ ናይ ሃገርና ቁጠባዊ፣ ፖለቲካውን ማሕበራውን ምንቅስቓሳት ዝትመዝገቡ ዓወታት መበገሲ ዝገበረ ውድባዊ መግለፂ ህወሓት ብምኽትል ዋና ዳሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣይተ ወ/ገብሪኤል ኣፅብሃ ምስ ቀረበ ህወሓት ከመይ እዩ ክዕወት ክኢሉ ? ብዝብል መበገሲ ዛዕባ መሰረት ዝገበረ ስርሒታት ታሪኽ ህወሓት ካብ እቲ ባሕሪ ብጭልፋ ብዝብል ሓሳብ ብሰብ ታሪክ ተጋደልቲ ህወሓት ቀሪቡ እዩ።

ጀጋኑ ተጋደልቲ ህወሓት 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ናብ በረኻ ደደቢት ቃልሲ ንምውላዕ ዝወፅሉ ምኽንያት ኣብ ህዝቢ ትግራይን ካልኦት ውፁዓት ብሄራት ኢትዮጵያን ተፃዒኑ ዝነበረ ድሕረት፣ ድንቁርና፣ ጭቆና፣ ስደት፣ ድኽነት፣ ዓፈና መንነትን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ይበፅሕዎም ስለ ዝነበሩ ነዚ ኩሉ መከራን ስቓይን መበገሲ ዝኾነ ፋሽስት ስርዓት ደርጊ ካብ ሱሩ ነቒልካ ካሊእ ሓዱሽ ስርዓት ንምትካል ዝብል ዕላማ መሰረት ብምግባር እዩ። ነዚ ዕላማ ንምጅማር ኣብ ፈለማ 11 ተጋደልቲ ውሑድ መሳርሒ ብምሓዝ ኣእላፍ ሰገናት፣ መናእሰይን ዓበይትን ህዝብታት ትግራይ ኢሉ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ውድብ ህወሓት ዘሰልፍ ቅኑዕ ህዝባዊ መስመር ሒዞም ቃልሲ ወሊዖም እዮም። ኮይኑ ግና ህወሓት ኣብ ፈለማ እዋን ቅኑዕ ህዝባዊ መስመር ሒዙ ዝተበገሰ ውድብ ብምንባሩ ናይ ካልኦት ኣንፃር ደርጊ ዝቃለሱ ዝነበሩ ዘይቅኑዓት ውድባት ተቃውሞ በፂሕዋ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር መስመር ህወሓት ኣብ ህዝቢ ሰፊሕ ተቐባልነት ረኺቡ ስለ ዝነበረ ንኹሎም ውድባት ደምሲሱ ብዓወት መሰስ ኢሉ እዩ። ህወሓት ቅኑዕ ህዝባዊ መስመር ብምሓዙ እምበር እንተ በዝሒ ኣፅዋርን ሰራዊትን እማ ናይ ውድባት ጠራናፊት፣ኢድዩ፣ጀብሃ፣ኢሃፓን ካልኦት ዝበዝሐ እዩ ነይሩ። ህወሓት ሒዛቶ ብዝተበገሰት ቅኑዕ ህዝባዊ መስመር ፣ቅኑዕ ዕላማን ነዊሕ ራእይን ስለዝነበራ ንኹሎም ናይ ትምክሕቲ ውድባት ኣብ ዓውደ ውግእ ብምድምሳስ ናይ ኲናት ተሞክሮን ክእለቱን ብምዕባይ ን17 ዓመት ህልኽ ዘወድእ መሪር ቃልሲ ብምክያድ ዘልኣለም ኣብ ህሊና ህዝብታት ኢትዮጵያ ነባራይ ዝኾነ ተደራራቢ ዓወት ከም ዘመዝገበ ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ተጋዳላይ ኣርኣያ ወርቅነህ ኣዘንቲዎም።

 

ኣብ 11 ለካቲት ዝፈለመ ቃልሲ ውፁዓት ህዝብታት ውፅኢቱ ነቲ ግፍዓዊ ኣረጊት ስርዓት ብምድምሳስ ሓዱሽ ኣብ ተሳትፎ ህዝብታት ዝኣምን ዲሞክራሲያውን ልምዓታውን ስርዓት ተተኺሉ እዩ። እዚ ሓዱሽ ስርዓት ህወሓት ኢህወደግ ናይ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ነፃነት፣መሰል ዓርሰ መንነት፣ሰላም፣ዲሞክራሲ፣ልምዓትን ማዕረ ተጠቃምነትን ኣረጋጊፁ እዩ። ብፍላይ መስመር ህወሓት ካብ ብጉሓቱ ኣብ መንጎ ገዛኢ ደርብን ውፁዕ ህዝብን ዝነበረ ኣፈላላይ ፈላልዩ ዝርኢ ውድብ ስለ ዝነበረ ኩሎም ብሄራትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ህወሓት ኢህወደግ ዓሲሎም ብማዕረ ተጠቀምቲ ዝኾንሉ ሰላም፣ዲሞክራስን ልምዓትን ፈጢሩ እዩ። በዚ ድማ ኣብ መላእ ክልልናን ሃገርናን ትምህርቲ፣ጥዕናን ካልኦትን ተስፋሕፊሑ ህዝብና ተጠቃሚ ብምዃኑ ዕላማ 11 ለካቲት ከም ዝተዓወተ ተጋዳላይ ኣርኣያ ወርቅነህ ወሲኾም ገሊፆም።

 

ኣብ መወዳእታ ካብቲ መድረኽ ብተረከብቲ ሕድሪ ስርሒታት ህወሓት ዝኾኑ ሊግ መናእሰይ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ናይ ሕቶን መልስን ውድድራት ምስተኻየዱ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ካብ ተጋደልቲ ህወሓት ዝነበሮም ጥንካረታት፣ ፅኑዕ ዕላማ፣ ህዝባውነትን ቅኑዕ መስመርን እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ትምህርትን ተሞክሮን ከምዝረኸቡ ሓሳቦም ምስ ገለፁ እቲ በዓል ብዓወት ተዛዚሙ እዩ።    

 

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved