top
logo

ሕትመታት

Written on 03/04/2017, 07:52 by admin
2017-04-03-07-52-30በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ንኣመራርሓ ኣካላት ግንዛበ መዕበዪ ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ።   መደባት ልምዓት እቶት ብተሳትፎ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላት ንምዕዋት ኣብ ሕጋዊ ማዕቀፍ ግብሪ፣ ረብሓታትን ኣድላይነትን ግብሪ፣ መሰረታዊ...
Written on 04/05/2017, 11:39 by admin
2017-05-04-11-39-06በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ኣጠቓቕማ ቅብሊት ኣመልኪቱ ምስ ወነንቲ ውልቀ ትካላት ጥዕና መድረኽ ዘተ ኣካይዱ ኣብ ከተማ መቐለ ግልጋሎትን ንግድን ንምሃብ ኣብ ሆስፒታላት ፣ ክልኒካትን ኣብያተ መደብር መድሓኒትን ዝተዋፈሩ...
Written on 03/04/2017, 07:22 by admin
2017-04-03-07-22-05ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ንምጥንኻር ሙያዊ ዓቕሚ ክኢላታት ምዕባይ ወሳኒ ምዃኑ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ  መደባትና ብብቕዓት እናፈፀምና ብህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት ልእኽቶ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ንምዕዋት ንጀመርቲ...
Written on 29/12/2016, 11:50 by admin
2016-12-29-11-50-03በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ንመሓውር ክኢላታት ወረዳታትን ከተማታትን ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠና ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ። ሓደሽቲ ኣዋጃት ኣታዊ ግብርን ምምሕዳርን ግብርን፣ ስርዓት ኣወሳስና ግብርን ኣተኣላልያ ቅሬታን ይግበአንን፣ ምሓዝ...
Written on 22/02/2017, 12:24 by admin
42-11-42-11ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ መበል 42 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ኣኽቢሮም።   ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ልምዓት እቶትን ነባራት ተጋደልትን ናይቲ በዓል ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ መበል 42...

ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ንምጥንኻር ሙያዊ ዓቕሚ ክኢላታት ምዕባይ ወሳኒ ምዃኑ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ 

መደባትና ብብቕዓት እናፈፀምና ብህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት ልእኽቶ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ንምዕዋት ንጀመርቲ ክኢላታትን ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈትን  ኣብ ዙርያ ሪፎርምታት ግብሪ መሰረት ብምግባር ሙያዊ ዓቕምን ክእለትን መዕበዪ መባእታዊ ትምህርትን ስልጠናን  ከም ዝተውሃበ ዋና ዳይሬክተር  በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ምሕረት በየነ ኣገንዚበን።

  እቲ ዝተውሃበ መባእታዊ ስልጠና ኣዋጃት፣ ደንብታትን መምርሕታትን ግብሪ ማእኸል ዝገበረ ኮይኑ ብዋናነት ድማ ደንብን መትከላትን ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ልምዓት እቶት፣ ኣደላልዋ ትልሚ እቶት፣ ኣድላይነትን መትከላት ኣወሳስና ግብሪ፣ ስርዓት ኣፈፃፅማ ቫት ኦዲት ስትራተጂ፣ መምርሒ ኣፈፃፅማ መዓልታዊ ኣታዊ ከፈልቲ ግብርን ህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊትን ማእኸል ብምግባር ካብ 52 ወረዳታትን ከተማታትን ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ንዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 200 ጀመርቲ ክኢላታትን ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈትን ኣብ ከተማ ማይጨው ንተኸታታሊ ሸውዓተ መዓልቲ ስልጠና ዝተውሃበ ኮይኑ እዚ ዓቕምን ክእለትን መመሓየሺ ስልጠና ዋና ዕላምኡ ስርዓት ግብሪ ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ካብ ምዃን ድሒኑ ስሉጥን ፅፉፍን ግልጋሎት ብምሃብ ምሕደራ ግብሪ ፍልፍል ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንኽኸውን ዝሕግዝ ስልጠና ከም ዝኾነ ወ/ሮ ምሕረት በየነ ብተወሳኺ ገሊፀን።

  ብዝተዋደደን ዝተኣሳሰረን ልምዓታዊ ሰራዊት ግብሪ ብምህናፅ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ኣካብነት  ክራይ ብልዕልነት ልምዓታዊ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ብምቕያር ዝጠንከረ ልምዓታዊ ሰራዊት እቶት ምፍጣር መማረፂ ዘይብሉ ጉዳይ ብምዃኑ እዚ ተዋሂቡ ዘሎ ሞያዊ ስልጠና ኣብ ኣተሃናንፃ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ዝበለፀ ለውጥን ምዕባለን ንምምፃእ ሪፎርምታት ምሕደራ ግብሪ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣዋጃት፣ ደንብታት መምርሕታት ግብሪ ንምትግባር ብቐፃልነት ብመደጋገፊ ኔትዎርክ፣ ብዓርሰ ምምህሃርን ኣቢሎም ዝያዳ ከጎልቡትዎ  ከም ዝግባእ ዋና ዳይሬክተር  በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ምሕረት በየነ መልእኽተን ኣመሓላሊፈን።

 እዚ ልምዓታዊ ሰራዊት ግብርን ታክስን ንምፍጣር ተጀሚሩ ዘሎ ውሁድ ኣሰራርሓ ተጠናኺሩ ንኽቕፅልን ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ሓለሓሊፉ ዝርኣዩ ክፍተታት ንምውጋድን ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን፣ ተዋዲድካ  ምሰራሕ ከም ዘድሊ ዝተሓበረ እንትኸውን ኣብቲ መድረኽ ካብ ሰልጠንቲ ዝተፈላለዩ  ሕቶታትን ርኢቶታትን ተላዒሎም ብዝምልከቶም ኣካላት እኹል መብርሂ ተዋሂብዎም ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ተበፂሑ እዩ።

 ተሳተፍቲ እቲ ሞያዊ ስልጠና ወ/ሮ ብርኽቲ ዘሪሁንን ኣይተ ጎሹ ንጉሰን ብወገኖም ነቲ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ምትግባር ሪፎርምታት ግብሪ ዝርኣዩ ዝነበሩ ጉድለታት መሊእና ብዝተማልአ ዓቕምን ክእለትን ዘመናዊ ስርዓት ግብርን ታክስን ብምህናፅ ግብሪ ፍልፍል ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንኽኸውን ኣበርቲዖም ከም ዝሰርሑ ገሊፆም።

                                                                                         ሃይላይ ኪሮስ

                                                                         ላዕለዋይ ክኢላ ርክብ ህዝቢ

                                                                 በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ

 

 

 

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved