top
logo

ሕትመታት

Written on 21/10/2017, 07:52 by admin
2017-10-21-07-52-55በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ዘመናዊ ህንፀት ስርዓት መረዳእታ ንምጥንኻር ንክኢላታት ሙያዊ ዓቕሚ መዕበይ ስልጠና ሂቡ። በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ንክኢላታት መሓውር ወረዳታትን ከተማታትን ኬዝቲም ማዕኸን መረዳእታን...
Written on 21/10/2017, 07:12 by admin
2017-10-21-07-12-25ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ መቐለ ኣብ ጉዳይ ቅብሊት ኣመልኪቱ መድረኽ ዘተ ነጋዶ ኣካይዱ።   ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ መቐለ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2010 በጀት ዓመት ኣብ ዙሪያ ቅብሊት ምቑራፅ ኣመልኪቱ ቅብሊት ኣብ...
Written on 20/07/2017, 13:34 by admin
2017-07-20-13-34-05ምኽፋል ግብሪ ብርኪ ሐ ነጋዶን ክራይ ኣካራይን ክፍለ ከተማታት መቐለ ብድምቀት ተጀሚሩ ምኽፋል ግብሪ ብርኪ ሐ ነጋዶን ክራይ ኣካራይን በጀት ዓመት 2009 ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት መቐለ በቲ ዝተተለመሉ ዕለት ሓምለ ሓደ ብድምቀት...
Written on 20/07/2017, 13:02 by admin
2017-07-20-13-02-42ሰራሕተኛታት ክልል ስታፍ ሊግ መናእሰይ ህወሓት ኣብ ዓብይ ግድብህዳሰ ኢ/ያ ዑደት ኣካይዶም። -      መጋቢት 24/2003 ዓ/ም እምነ ኩርናዕ ብክቡር ቀዳማይ ሚንስተር ሃገርና መለስ ዜናዊ ድሕሪ...
Written on 27/05/2017, 10:16 by admin
2017-05-27-10-16-18በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ግብሪ ሰሙን ኣመልኪቱ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ፡፡ እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣከባብራ ግብሪ ሰሙንን ኣፈፃፅማ ቅብሊትን ኣመልኪቱ ”ኣብ ምሕደራ ግብሪ ዝረኣዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ብሓባር ንከላኸል” ብዝብል...

ኣብ ቅብሊት ዘይምቑራፅ ዝረኣዩ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ኣካብነት ክራይ ንምውጋድ ኣበርቲዖም ከም ዝሰርሑ ኣመራርሓን ነጋዶን ክፍለ ከተማ ዓይደር ገሊፆም

ነዚ ዝተገለፀ ቅንያት ግብሪ 2009 በጀት ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምስ ኣመራርሓ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን፣ከፈልቲ ግብሪ ውዳበታት ሓፋሽ ማሕበራትን ልምዓት ጉጅለን ደኣንትን ብሓባር ኣብ ዘሳልጥዎ መድረኽ ዘተ ኣብ ቅብሊት ዘይምቑራፅ ዝርኣዩ ምስዋርን ምጭብርባርን ግብሪ ንምውጋድ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ ክብላ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ዓይደር ወ/ሮ ሰለማዊት ሓድጉ ኣገንዚበን።


ኣብ ምሕደራ ግብሪ ዝርኣዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ብሓባር ንከላኸል ብዝብል መሪሕ ቃል ብብርኪ ክልልና ተጠናኺሩ ዝኽበር ዘሎ ኮይኑ ከፈልቲ ግብሪ ክፍለ ከተማ ዓይደር ሪፎርምታት ግብርን ታክስን ብምትግባር ኣካብነት ክራይ ብሓባር ንቃለስ፣ ግብሪ ምኽፋልን ንግዲ ፍቓድ ምሕዳስን ባህልና ንግበሮ፣ ንተገልገልቲ ዓማዊል ቅብሊት ምሃብ ባህልናን ልምድናን ክንገብሮ ኣለና ብዝብል መሪሕ ጭርሖታት ተዓጂቡ ልምዓታውን ዲሞክራሲያውን መስመር ካብ ዘመንጨዎ ቁጠባ ፍትሓዊ ግብሪ ብምእካብ ናይ መንግስቲ ወፃእታት ብውሽጣዊ ዓቕምታት ንምሽፋን ዝያዳ ተጠናኺርካ ምስራሕ ከም ዘድሊ እተን ሓላፊት ገሊፀን።


 

ሰኣን ጥቡቕ ደገፍን ክትትልን 6መንግስቲ ንኸፈልቲ ግብሪ ካብ ቫት ካብ ተጠቀምቲ ዓማዊል ዝርከብ እቶት ንምእካብ ሓላፍነት ሂቡ ኣክቡለይ ኢሉ ዋላ ሓላፍነት ይሃቦም ኣብ ምትግባሩ ክራይ ኣከብቲ ነጋዶ ንውልቀ ረብሐኦም እንተውዕልዎ ይረኣይ ብምህላዉ ኣብ ምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ብተደጋጋሚ ግንዛበ መዕበይ ትምህርትን ስልጠናን ብምሃብ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ወሳኒ ከም ዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ መቐለ መተሓባበሪት ከይዲ ስራሕ ምኽባር ሕጊ እቶትን ኢንተለጀንስን ወ/ሮ ዘምዘም ኣደም ብተወሳኺ ኣገንዚበን።

 

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ እውን ግብሪ ምኽፋል ሰላምን ልምዓትን ክምዕብል፣ማሕበራውን ፖለቲካውን ስራሕትና ክሳለጡ ዝገበር ብምዃኑ ኣብ ቅብሊት ዘይምቁራፅ ዝርኣዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ብምድኻም ምኽፋል ግብሪ ባህልና ክንገብሮ ኢና ክብሉ ቃል ኣትዮም።

 

 

                                                   በዓል መዚ ልምዓት እቶት

 

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved