top
logo

ሕትመታት

Written on 23/04/2018, 13:04 by admin
2018-04-23-13-04-54ሰራሕተኛታት ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ ሰሜን ምዕራብ መድረኽ ዘተን ልውውጥ ተሞኩሮን ኣካይዶም፡፡ ሰራሕተኛታት ከተማታትን ወረዳታትን ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ኣብ ኣፈፃፅማ ሪፎርምታት ግብሪ ኣመልኪቶም መድረኽ...
Written on 29/03/2018, 12:19 by admin
2018-03-29-12-19-12መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ልምዓታውያን ብርኪ ሀንለን ደቂ ኣነስትዮ ነጋዶ ሰልጠና ሂቡ! በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ሪፎርምታት ግብሪ፣ ኣዋጅ ኣታዊ ግብርን ምምሕዳርን ቅብሊት ምቑራፅን ኣመልኪቱ ንልምዓታውያን ብርኪ...
Written on 26/03/2018, 06:39 by admin
2018-03-26-06-39-00ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ መቐለ ምስ ብርኪ ሀን ለን ነጋዶ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማ መቐለ ኣብ ምቁራፅ ቅብሊት ንሕጋዊ ምኽፋል ግብርን ኣመልኪቱ ምስ ብርኪ ሀንለን ነጋዶ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ። ኣብቲ መድረኽ...
Written on 05/03/2018, 08:24 by admin
2018-03-05-08-24-16ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ዓሚቕ ገምጋም ዳግማይ ተሃድሶ ኣካይዶም   በቢደረጅኡ ዘሎ ላዕለዋይ፣ ማእኸላይን ታሕተዋይን ኣመራርሓ እቲ ቤት ዕዮ ነቲ ብማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተዳለወ ዳግማይ ብዕምቆት ምህዳስ...
Written on 06/12/2017, 15:02 by admin
2017-12-06-15-02-45ክለባት ግብሪ ንልምዓት ኣብያተ ትምህርቲ ተጠናኪረን ክከዳ ከም ዘለወን ቢሮ ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡ ቢሮ ት/ቲ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ትግበራን ስርዓት ትምህርቲ ብዝተፀሓፈ ደብዳቤ መሰረት ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ክለብ ግብሪ ንልምዓት...

ኣብ ቅብሊት ምቁራፅ ዝርኣዩ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ኣካብነት ክራይ ንምድኻም ኣበርቲዖም ከም ዝሰርሑ ሞዴላት ከፈልቲ ግብሪ ከተማ ዓድዋ ገሊፆም

 

ብብርኪ ክልል በዓል መዚ ልምዓት እቶት ሞዴላት ከፈልቲ ግብሪ ንምፍጣርን ንምድጋፍን መምርሒ ኣፈፃፅማ ኦዲት ስትራተጂ ብምውፃእ ዝሐሹ ከፈልቲ ግብሪ ብምፍላይ ብተግባር ብመደጋገፊ ኔትዎርክ ብምትሕሓዝ ብዝተገበረ ደገፍን ክትትልን ኣብ ከተማታትን ወረዳታትን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሞዴላት ከፈልቲ ግብሪ ተፈልዮም ሪፎርምታት ግብሪ ኣብ ምትግባር ይርከቡ።

 

ካብቶም ብቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማ ዓድዋ ዝተፈለዩ ሞዴላት ከፈልቲ ግብሪ ሓደ ዝኾነ ስራሕ መካየዲ ቤት ቁርስን ኬክን ልደት ኣይተ መንበሩ ጥበቡ ብምክንያት ቕንያት ግብሪ 2009 በጀት ዓመት ቤት ቁርስን ኬክን ልደት ንመጀመርያ ግዜ ዓርሱ ክኢሉ ብብርኪ ነጋዳይ ቕንያት ግብሪ ዘኽበረ ኮይኑ ንተግልገልቲ ዓማዊል ቕብሊት ብምሃብ በቢወርሑ ካብ ተወሳኺ እሴት ተወሳኺ እሴት ታክስ ካብ 30 ክሳብ 40 ሽሕ ብር ዝኸፍል እንትኸውን ኣብ 2008/9 በጀት ዓመት ግብሪ ዘመን ካብ ተወሳኺ እሴት ታክስ 195106.83 ብር ዝኸፈለ እንትኸውን ካብ ንግዲ ትርፊ ድማ 293159 ብር ክኸፍል ዝኸኣለ ሞዴል ነጋዳይ እዩ።

 

ከፈልቲ ግብሪ ከተማ ዓድዋ ካብ ዝኾኑ ወ/ሮ ኣምለሰት የማነን ኣይተ ተጠምቐ ወልዱን ካብ ቤት ቁርስን ኬክን ልደት ተማሂርና ንተገልገልቲ ዓማዊል ቅብሊት ብምሃብ ኣብ ልምዓት ከተማናን ሃገርናን ግቡኡና ክንዋፃእ ኢና ክብሉ ቃል ኣትዮም።

 

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ

 

 

 


 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved