top
logo

ሕትመታት

Written on 06/12/2017, 15:02 by admin
2017-12-06-15-02-45ክለባት ግብሪ ንልምዓት ኣብያተ ትምህርቲ ተጠናኪረን ክከዳ ከም ዘለወን ቢሮ ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡ ቢሮ ት/ቲ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ትግበራን ስርዓት ትምህርቲ ብዝተፀሓፈ ደብዳቤ መሰረት ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ክለብ ግብሪ ንልምዓት...
Written on 01/12/2017, 08:46 by admin
2017-12-01-08-46-59በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ቅድመ ክፍሊት ግብርን ተወሳኺ እሴት ታክስን ኣመልኪቱ ንሓለፍትን ክኢላታት ፋይናንስን ኣብያተ ዕዮ ክልል ስልጠና ሂቡ። በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ቅድመ ክፍሊት ግብርን ተወሳኺ እሴት...
Written on 01/12/2017, 08:05 by admin
2017-12-01-08-05-17በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ስርዓት ፊደራሊዝም ኣመልኪቱ ንደቂ ኣነስትዮ ስልጠና ሂቡ፡፡   በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ዕዮ ክልልን ወረዳታትን ዝሰርሓ ደቂ ኣነስትዮ ተወከልቲ ስርዓተ...
Written on 10/11/2017, 08:11 by admin
2017-11-10-08-11-34በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ሞያዊ ዓቕሚ ክኢላታት ንምዕባይ ዝሕግዝ ስልጠና ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ፡፡   በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ንመሓውር ሰራሕተኛታቱ ወረዳታትን ከተማታትን ብኣውራ ከይዲ ስራሕ ምክባር ሕጊ...
Written on 21/10/2017, 07:52 by admin
2017-10-21-07-52-55በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ዘመናዊ ህንፀት ስርዓት መረዳእታ ንምጥንኻር ንክኢላታት ሙያዊ ዓቕሚ መዕበይ ስልጠና ሂቡ። በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ንክኢላታት መሓውር ወረዳታትን ከተማታትን ኬዝቲም ማዕኸን መረዳእታን...

ምኽፋል ግብሪ ብርኪ ሐ ነጋዶን ክራይ ኣካራይን ክፍለ ከተማታት መቐለ ብድምቀት ተጀሚሩ

ምኽፋል ግብሪ ብርኪ ሐ ነጋዶን ክራይ ኣካራይን በጀት ዓመት 2009 ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት መቐለ በቲ ዝተተለመሉ ዕለት ሓምለ ሓደ ብድምቀት ተጀሚሩ፡፡

     ኣብ መኽፈቲ መድረኽ ምጅማር ምኽፋል ግብሪ ክፍለ ከተማ ሓድነት ዝተረኸባ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ምሕረት በየነ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ልምዓት ከቢድ ቃልስን መስዋእትን ዝተኸፈሎ ምኻኑ እናዘከርና 50 ምኢታዊ በጀት ክልልና ንምሽፋንን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ኣብቶም ተኣታትዮም ዘለው ሪፎርምታት ግብሪ ሕዚ እውን ብሓላፍነት ተሓተቲ ኮይንና በርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ ብምባል ምኽፋል ግብሪ ሓምለ ሓደ 2009 በጀት ዓመት ብዕሊ ከም ዝተጀመረ ኣበሲረን፡፡


ብተዛማዲ ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ደክተር ሙሉጌታ ሓዱሽ ኣብ ተሳትፎ ህዝቢ ዝተመስረተን ኣብ ምስፍሕፋሕ ልምዓት ፣ምርግጋፅ ሰላምን ዲሞክራስን ዝውዕል ፍትሓውን ተመጣጣንን ግብሪ ኩሉ ከፋሊ ግብሪ ክኸፍልን ዜግነታዊ ግቡኡ ክዋፃእን ኣለዎ፡፡ ምኽንያቱ ዋኒን ግብሪ ዋኒን ኩሉ ዜጋ ስለ ዝኾነ ምስ በሉ ምኽፋል ግብሪ ከም ዝተጀመረ ሪቫን ብምቑራፅ ኣበሲሮም።

 

ብተወሳኺ ካብ ከፋልቲ ግብሪ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ዓይደር ሓንቲ ዝኾና ወ/ሮ ኣዝመራ ገለታ ነቲ ኣብዚ በጀት ዓመት ዝተወሰነሎም ፍትሓውን ተመጣጣንን ውሳነ ግብሪ ኩሉ ከፋሊ ግብሪ ኣሚንሉ ብጓይላን ስዕሲዒትን ክኸፍል ከም ዝመፀን እቲ ምጅማር ምኽፋል ግብሪ ብድምቀት ከም ዝተኸበረን ሓቢረን፡፡

 

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved