top
logo

ሕትመታት

Written on 29/03/2018, 12:19 by admin
2018-03-29-12-19-12መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ልምዓታውያን ብርኪ ሀንለን ደቂ ኣነስትዮ ነጋዶ ሰልጠና ሂቡ! በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ሪፎርምታት ግብሪ፣ ኣዋጅ ኣታዊ ግብርን ምምሕዳርን ቅብሊት ምቑራፅን ኣመልኪቱ ንልምዓታውያን ብርኪ...
Written on 26/03/2018, 06:39 by admin
2018-03-26-06-39-00ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ መቐለ ምስ ብርኪ ሀን ለን ነጋዶ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማ መቐለ ኣብ ምቁራፅ ቅብሊት ንሕጋዊ ምኽፋል ግብርን ኣመልኪቱ ምስ ብርኪ ሀንለን ነጋዶ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ። ኣብቲ መድረኽ...
Written on 05/03/2018, 08:24 by admin
2018-03-05-08-24-16ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ዓሚቕ ገምጋም ዳግማይ ተሃድሶ ኣካይዶም   በቢደረጅኡ ዘሎ ላዕለዋይ፣ ማእኸላይን ታሕተዋይን ኣመራርሓ እቲ ቤት ዕዮ ነቲ ብማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተዳለወ ዳግማይ ብዕምቆት ምህዳስ...
Written on 06/12/2017, 15:02 by admin
2017-12-06-15-02-45ክለባት ግብሪ ንልምዓት ኣብያተ ትምህርቲ ተጠናኪረን ክከዳ ከም ዘለወን ቢሮ ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡ ቢሮ ት/ቲ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ትግበራን ስርዓት ትምህርቲ ብዝተፀሓፈ ደብዳቤ መሰረት ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ክለብ ግብሪ ንልምዓት...
Written on 01/12/2017, 08:46 by admin
2017-12-01-08-46-59በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ቅድመ ክፍሊት ግብርን ተወሳኺ እሴት ታክስን ኣመልኪቱ ንሓለፍትን ክኢላታት ፋይናንስን ኣብያተ ዕዮ ክልል ስልጠና ሂቡ። በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ቅድመ ክፍሊት ግብርን ተወሳኺ እሴት...

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ዘመናዊ ህንፀት ስርዓት መረዳእታ ንምጥንኻር ንክኢላታት ሙያዊ ዓቕሚ መዕበይ ስልጠና ሂቡ።

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ንክኢላታት መሓውር ወረዳታትን ከተማታትን ኬዝቲም ማዕኸን መረዳእታን ኩለመዳያዊ ኣጠቃቕማ ዘመናዊ ህንፀት ስርዓት መረዳእታ፣ ኣብ ሓደሽቲ ኣዋጃት ኣታዊ ምምሕዳር ግብርን መሰረት ዝገበረ ስልጠና ተዋሂቡ።

 

ንሰልጠንቲ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዓማዊል፣ ኣተኣኻክባ፣ ኣወዳድባን ኣጠቓቕማን ስርዓት መረዳእታ ብኣሰር ኣፃብዕቲ ዝተደገፈ መለለይ ቑፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ብኸመይ ከም ዝወሃብን ኣብ መዓልታዊ መፅናዕቲ ነጋዶን ገዛ መካረይትን መረዳእታ ኣብ ምእካብን ከም ቀንዲ ፀገማትን መፍትሒኦምን መሰረት ዝገበረ ብማንዋል ዝተደገፈን ኣብቲ ሰልጠና ክቐርብ ከምዘተገበረ መተሓባበሪት ኬዝቲም ማዕኸን መረዳእታ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኣልጋይነሽ ኣሰፋ ገሊፀን።

 

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ሕጋውነት ብምስፋን ኣካብነት ክራይ ዘዳኽም ኣሰራርሓ ዘመናዊ ሓዱሽ ቴክኖሎጅ ዝተኣታተወ ስርዓት መረዳእታ ምውሳንን ምእካብን ግብሪ (TITCOS) ብምትእትታው ንተገልጋልቲ ቁልጡፍን ግዜ ቆጣብን ኣብ ሙሉእ ትግራይ ሓደ ዓይነት ውሳነ መጠን ግብሪ ብምትእትታው ዘስርሕ ዓቕሚ ከምዝፈጠረሎም ተሳተፍቲ ሰልጠንቲ ኣይተሃይላይ ሃይሉ ፣ወ/ሮ ሂወት ታደለ   ፣ ኣይተሽሻይ ተኪኤተዛሪቦም።

 

ኣብ መወዳእታ ገምጋም ኣፈፃፅማ 2009 በጀት ዓመት ብምርኣይ ትልሚ 2010 በጀት ዓመት ተመያይጦም ከፅድቁ ተገይሩ።

 

                                                                                                 ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ

 

                                                                                     በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ

 

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved