top
logo

ሕትመታት

Written on 29/03/2018, 12:19 by admin
2018-03-29-12-19-12መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ልምዓታውያን ብርኪ ሀንለን ደቂ ኣነስትዮ ነጋዶ ሰልጠና ሂቡ! በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ሪፎርምታት ግብሪ፣ ኣዋጅ ኣታዊ ግብርን ምምሕዳርን ቅብሊት ምቑራፅን ኣመልኪቱ ንልምዓታውያን ብርኪ...
Written on 26/03/2018, 06:39 by admin
2018-03-26-06-39-00ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ መቐለ ምስ ብርኪ ሀን ለን ነጋዶ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማ መቐለ ኣብ ምቁራፅ ቅብሊት ንሕጋዊ ምኽፋል ግብርን ኣመልኪቱ ምስ ብርኪ ሀንለን ነጋዶ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ። ኣብቲ መድረኽ...
Written on 05/03/2018, 08:24 by admin
2018-03-05-08-24-16ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ዓሚቕ ገምጋም ዳግማይ ተሃድሶ ኣካይዶም   በቢደረጅኡ ዘሎ ላዕለዋይ፣ ማእኸላይን ታሕተዋይን ኣመራርሓ እቲ ቤት ዕዮ ነቲ ብማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተዳለወ ዳግማይ ብዕምቆት ምህዳስ...
Written on 06/12/2017, 15:02 by admin
2017-12-06-15-02-45ክለባት ግብሪ ንልምዓት ኣብያተ ትምህርቲ ተጠናኪረን ክከዳ ከም ዘለወን ቢሮ ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡ ቢሮ ት/ቲ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ትግበራን ስርዓት ትምህርቲ ብዝተፀሓፈ ደብዳቤ መሰረት ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ክለብ ግብሪ ንልምዓት...
Written on 01/12/2017, 08:46 by admin
2017-12-01-08-46-59በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ቅድመ ክፍሊት ግብርን ተወሳኺ እሴት ታክስን ኣመልኪቱ ንሓለፍትን ክኢላታት ፋይናንስን ኣብያተ ዕዮ ክልል ስልጠና ሂቡ። በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ቅድመ ክፍሊት ግብርን ተወሳኺ እሴት...

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ሞያዊ ዓቕሚ ክኢላታት ንምዕባይ ዝሕግዝ ስልጠና ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ፡፡

 

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ንመሓውር ሰራሕተኛታቱ ወረዳታትን ከተማታትን ብኣውራ ከይዲ ስራሕ ምክባር ሕጊ እቶትን ኢንተለጀንስን ላዕለወት ኪኢላታት ንኩሉ መዳያዊ ዓቕምን ክእለትን ዝወነነ ልምዓታዊ ሰራዊት እቶት ንምፍጣር ንኪኢለታት ዓቀብቲ ሕጊ፣ ገበን መርመርቲ፣ ኣማራርሓ ስራሕቲ ስግኣት፣ ፍሉይ ኦዲተርን አንተለጀንስን ንተኸታታሊ 4 መዓልቲ ዝኣክል   ኣብ ከተማ ኣኽሱም ስልጠና ከምዝሃበ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ከም ቀንዲ ትሕዝቶ እቲ ስልጠና ዝተበሃሉ ብማንዋል ተደጊፎም ዝቐረቡ ነጥብታት ኣብ ኣዋጃት ምምሕዳር ግብርን ታክስን ዘለዎ ተመሳሳልነትን ኣፈላላይን ፣ ኣገዳስቲ መምርሕታት፤ ደንብታትን ብምቕራብ፤ ምስ ስራሕቲ ስግኣትን ፍሉይ ኦዲተርን ዝተተሓሐዘ ኣብ ሕጋውነት ግብርን ኣወሳስና ግብርን ብዝርዝር ብጉጅለን ናይ ሓባር መድረኽን ተዳሊዮም ብምቕራብ፤ ሕዚ ብጭቡጥ ኣብ ስርሖም ዘጋጥሞም ፀገማትን መፍትሕታትን ብመልክዕ ሕቶን መልስን ብተወሳኺ ቀሪቦም ብዕምቆት ክሪእዎን ክግንዘብዎን ናብ ሓደ ምርድዳእን ተመጣጣኒ ዓቕሚ ክፈጥረሎም ዓሊሙ ዝተዳለወ መድረኽ ምንባሩ ወናኒ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ምክባር ሕግን ኢንተለጀንስን ኣይተ ተስፋይ ታደሰ ገሊፆም።

ተሳተፍቲ እቲ ሞያዊ ስልጠና ብወገኖም ዓብይ ዓቕሚ ከምዝፈጠረሎምን ዝተወሃቦም መደብ እንትፍፅሙ ምስ መዳርግቲ ኣካላትን ከፈልቲ ግብሪን ኣናተረዳዳእኻን ግንዛበ እናስፋሕኻን ምሰ ቅበሊት ዘይ ምቑራፅ ዝረአዩ ፀገማት ንምፍታሕ ከም ዝሰርሑ ተዛሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ስልጠና ተረኺበን መጠቓለሊ መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ዋና ዳሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ምሕረት በየነ ንስልጠንቲ “ዘመኑ ብሩህ ተስፋ ዘለዎ ብምዃኑ ኣብ ግብሪ ፅቡቕ ግልጋሎት ብምሃብን ሰናይ ምምሕዳር ብምንጋስን ዝተመሃርናሎም ዕጥቅታትና ብምስጣም ክልልና ኣብ ሕርሻን ጥዕናን ዝረኸበቶም ዓወታት ኣብ ሕጋውነት ግብሪ ምርግጋፅ ክንደግሞ በርቲዕና ንስራሕ” ብምባል ንሰልጠንቲ መልእኽተን ድሕሪ ምትሕልላፍ ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንዝተዋፈሩ ነጋዶ መምሃራይ ዝኾነ ስጉምቲ ክወስዱ ከም ዘለዎም እውን ወሲኸን ኣገንዚበን።

 

 

                           ዳይሬክቶሬት ርክብ ህዝቢ

 

                    በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ

 

 

 

 

 

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved