top
logo

ሕትመታት

Written on 06/12/2017, 15:02 by admin
2017-12-06-15-02-45ክለባት ግብሪ ንልምዓት ኣብያተ ትምህርቲ ተጠናኪረን ክከዳ ከም ዘለወን ቢሮ ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡ ቢሮ ት/ቲ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ትግበራን ስርዓት ትምህርቲ ብዝተፀሓፈ ደብዳቤ መሰረት ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ክለብ ግብሪ ንልምዓት...
Written on 01/12/2017, 08:46 by admin
2017-12-01-08-46-59በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ቅድመ ክፍሊት ግብርን ተወሳኺ እሴት ታክስን ኣመልኪቱ ንሓለፍትን ክኢላታት ፋይናንስን ኣብያተ ዕዮ ክልል ስልጠና ሂቡ። በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ቅድመ ክፍሊት ግብርን ተወሳኺ እሴት...
Written on 01/12/2017, 08:05 by admin
2017-12-01-08-05-17በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ስርዓት ፊደራሊዝም ኣመልኪቱ ንደቂ ኣነስትዮ ስልጠና ሂቡ፡፡   በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ዕዮ ክልልን ወረዳታትን ዝሰርሓ ደቂ ኣነስትዮ ተወከልቲ ስርዓተ...
Written on 10/11/2017, 08:11 by admin
2017-11-10-08-11-34በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ሞያዊ ዓቕሚ ክኢላታት ንምዕባይ ዝሕግዝ ስልጠና ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ፡፡   በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ንመሓውር ሰራሕተኛታቱ ወረዳታትን ከተማታትን ብኣውራ ከይዲ ስራሕ ምክባር ሕጊ...
Written on 21/10/2017, 07:52 by admin
2017-10-21-07-52-55በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ዘመናዊ ህንፀት ስርዓት መረዳእታ ንምጥንኻር ንክኢላታት ሙያዊ ዓቕሚ መዕበይ ስልጠና ሂቡ። በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ንክኢላታት መሓውር ወረዳታትን ከተማታትን ኬዝቲም ማዕኸን መረዳእታን...

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ቅድመ ክፍሊት ግብርን ተወሳኺ እሴት ታክስን ኣመልኪቱ ንሓለፍትን ክኢላታት ፋይናንስን ኣብያተ ዕዮ ክልል ስልጠና ሂቡ።

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ቅድመ ክፍሊት ግብርን ተወሳኺ እሴት ታክስን ኣመልኪቱ መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ክልልን ትካላት ልምዓትን ኣብ ምእካብ ግብሪ ሓጋዚ ዝኾነ መረዳእታ ቅድመ ክፍሊት ግብርን ተወሳኺ እሴት ታክስንከመይ ኣታዊ ከም ዝግበር ንሓለፍትን ክኢላታት ፋይናንስንኣብያተ ዕዮ ክልልና ስልጠና ከም ዝሃበ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ስልጠና ዝተረኸባ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ምሕረት በየነ ቅድመ ክፍሊት ግብርን ተወሳኺ እሴት ታክስን ተግባራዊ ኣብ ምግባር ሓለፍትን ክኢላታት ፋይናንስን መንግስታውን ልምዓታውን ትካላት ኣብ ምእካብ ግብሪ ቁልፊ ግደ ዘለዎ መረዳእታ ኣብ እዋኑ ናብ ዝምልከቶ ኣታዊ ክገብሩ ከም ዘለዎምን መረዳእታ ንፍልፍል በጀትን ኣብ ምጥንኻር ቃልሲ ኣካብነት ክራይን ወሳኒ ከም ዝኾነ ገሊፀን።

መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ፊደራል፣ ክልልን ንትርፊ ዘይተጣየሹ ትካላት ልምዓትን ኣብ ከይዲ ምንቅስቓሶም ዕድጊት ፍርያትን ግልጋሎትን እንትፍፅሙ ተቐናሲ ብምግባር መረዳእታ ቅድመ ክፍሊት ግብርን ተወሳኺ እሴት ታክስን ናብ በዓል መዚ ልምዓት እቶትን ጉምሩክን ኣታዊ ክገበሩ ብኣዋጅ ውክልና ዝተወሃቦም ትካላት እዮም፡፡ አዚ መረዳእታ ንምውሳን ኣታዊ መሰረት ዝገበረ ግብሪ፣ ምርግጋፅ ፍትሓውነት ግብርን ቃልሲ ኣካብነት ክራይን መሰረታዊ ጉዳይ ስለ ዝኾነ ኩሉ ዝምልከቶ ሓላፍን ክኢላ ፋይናንስን ዓበይቲ ትካላት ፊደራልን ክልልልን መንግስትን ትካላት ልምዓትን ትኹረት ሂቦም ክሰርሕሉ ከም ዘለዎም በመሰልጠንቲ ኣካላት ኣብ መድረኽ ቀሪቡ፡፡

ብወገን ተሳተፍቲ እቲ ስልጠና ድማ ቅድመ ክፍሊት ግብርን ተወሳኺ እሴት ታክስን ከመይ ከም ዝእከብን ኣታዊ ከም ዝኸውንን ኣብ ክእለት ዝተደገፈ ስልጠና ብምዃኑ ኣመራርሓን ክኢላታት ፋይናንስን ትካላት ልምዓትን መንግስትን ጉዳይ ግብሪ ናይ ኩላትና ዋኒን እዩ ኢሎም ብኣተሓሳስባ ተገንዚቦም ኣብ ትካሎም ዘሎ መረዳእታ ናብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ብእዋኑ ኣታዊ ክገብሩ ከምዝግባእ ግንዛበ ከም ዝወሰዱ ምክትል ፕሬዝደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋን ዳይሬክተር ፋይናንስን ዕደጋን መለስ ኣካዳሚ ክልል ትግራይ ወ/ሮ ገነት ገ/መስቀልን ሓሳቦም ገሊፆም።

                                                                   ሃይላይ ገ/ገርግስ

                                               ክኢላ ር/ህዝቢ

                                በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ

 

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved