top
logo

ሕትመታት

Written on 23/11/2018, 10:17 by admin
14-03-2011  በዓልመዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ መድረኽ ገምጋማዊ ስልጠናን ቀፀልቲ ኣንፈታት 2011 በጀት ዓመትን ኣካይዱ።   በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ውሳነታት ጉባኤ ህወሓት ብምትግባር እቶትና ነደንፍዕ ብዝብል...
Written on 16/01/2019, 06:39 by admin
2019-01-16-06-39-10በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ንመላእ ሰራሕተኛታትን ኣማራርሓን ኣብ ዙርያ ዝኾነ ዜጋ ሓበሬታ ናይ ምርካብን ናይ ምሃብን መሰልን ግቡእን ኣለዎ ዝብልን ካልኦትን መሰረት ዝገበሩ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2011 ዓ/ም ሓፂር ስልጠና...
Written on 16/01/2019, 06:29 by admin
2019-01-16-06-29-44በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ንመላእ ሰራሕተኛታትን ኣማራርሓን ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ዘሎ ኩነታት ኤች ኣይቪ ኤድስን ሓደጋነቱን እንታይ ከምዝመስል ፣ ነዚ ሕማም እዚ ንምክልኻል ግደ ኣመራርሓ ፣ ሰራሕተኛታትን መላእ ሕ/ሰብን እንታይ ክኾን...
Written on 23/04/2018, 13:04 by admin
2018-04-23-13-04-54ሰራሕተኛታት ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ ሰሜን ምዕራብ መድረኽ ዘተን ልውውጥ ተሞኩሮን ኣካይዶም፡፡ ሰራሕተኛታት ከተማታትን ወረዳታትን ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ኣብ ኣፈፃፅማ ሪፎርምታት ግብሪ ኣመልኪቶም መድረኽ...
Written on 29/03/2018, 12:19 by admin
2018-03-29-12-19-12መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ልምዓታውያን ብርኪ ሀንለን ደቂ ኣነስትዮ ነጋዶ ሰልጠና ሂቡ! በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ሪፎርምታት ግብሪ፣ ኣዋጅ ኣታዊ ግብርን ምምሕዳርን ቅብሊት ምቑራፅን ኣመልኪቱ ንልምዓታውያን ብርኪ...

ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ዓሚቕ ገምጋም ዳግማይ ተሃድሶ ኣካይዶም

 

በቢደረጅኡ ዘሎ ላዕለዋይ፣ ማእኸላይን ታሕተዋይን ኣመራርሓ እቲ ቤት ዕዮ ነቲ ብማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተዳለወ ዳግማይ ብዕምቆት ምህዳስ ዝብል ሰነድ መበገሲ ብምግባር ሕድሕድ ሰራሕተኛ ዓርሰ ነቐፌታን ገምጋምን ዝገበረሉ ናይ ሓደ ሰሙን መድረኽ ተሃድሶ ኣካይዱ፡፡

እዚ መድረኽ ተሃድሶ ነቲ ናይ ህዝቢ ትግራይን ውድብን መግለፂ ዝኾነ ሃናፃይ ቃልሲ ኣብ ምቕፃል ሓጋዚ ዝኾነ ሰነድ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ብመንፅር ፀረ-ዲሞክራሲ፣ ሓሰት ፀብፃብን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ከም ቤት ዕዮ ንሕድሕድ ኣካል ከመይ ይገልፀና ብዝብል መትከል ዓርሰ ነቐፌታ ቀሪቡ እዩ፡፡ ብተወሳኺ እቲ ገምጋም ናብ ነጋዳይ ማሕበረ-ሰብ ወሪዱ መድረኻት ብምክያድ ብዝበለፀ ብምዕማቕ ዝነበሩና ድኽመታት ኣብ ምእራም ወሳኒ ግደ ከም ዘለዎ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ምሕረት በየነ ሓቢረን፡፡

ገምጋም ዳግማይ ተሃድሶ ኩሉ ሰራሕተኛ ኣብ ፀረ-ዲሞክራሲ፣ ናይ ስልጣን ኣረኣእያ፣ ጉድለት ሰናይ ምምሕዳር ምስ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዝነበሩ ፀገማት፣ ኣብ ህዝባውነት ኣረኣእያ ምሽርሻር ከም ዝነበረ፣ ግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓን ምስ መምርሕታት ኣብ ምትግባርባር ክፍተታት ከም ዝንበሩ፣ ሓሰት ፀብፃብ ኣብ ምፍላይ ሞዴል ከፈልቲ ግብርን ዕግበት ተገልጋላይን ካልኦት ዛዕባታትን መሰረት ብምግባር ንዓርሱ ብምርኣይ ዓርሰ ነቐፌታ ዘቐረበ ኮይኑ ሕድሕድ ሰራሕተኛ ብዝቐረበሉ ገምጋም መሰረት ናይ መስተኻኸሊ ርኢቶን እርማትን ተዋሂቦም እዮም፡፡

ኣብቲ ገምጋም ካብ ዝተሳተፉ መንኣሰይ መብራህቱ ልጁን መሉጌታ ተካን እዚ ዳግማይ ብዕምቆት ምህዳስ ዝብል መድረኽ ዝነበሩና ፀገማት ብምሉእነት ብዝበሃል መልክዑ ብምግምጋም ዝተነፀሩ ኮይኖም ካብዚ ብተግባር ናብ ሕብረተ-ሰብ ወሪዱ ናይ ሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን መፍትሕታት ዘነፀረ ክኸውን ከም ዘለዎ ብምሕባር ንተግባራውነቱ ከም ዝሰርሑ ሓሳቦም ገሊፆም፡፡

 

 

                                                                          ሃይለይ ገ/ገርግስ

                                                          ክኢላ ርክብ ህዝቢ

                                                    በዓል መዚ ልምዓት እቶት

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved