top
logo

ሕትመታት

Written on 08/06/2019, 06:02 by admin
2011-2012ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን ንምዕዋት ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከም ዘሎ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ቅድመ ምድላው ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 2011/12 በጀት ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን...
Written on 08/06/2016, 06:06 by admin
revenue-week2008በዓልመዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን ንምዕዋት ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ቅድመ ምድላው ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 2008/9 በጀት ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን...
Written on 08/06/2019, 05:29 by admin
2019-06-08-05-29-12ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ፍትሓውን ዘመናውን ክኸውን ከም ዘለዎ ተሓቢሩ!!    ብምትሕብባር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይን ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዲስትርን ኣብ ዝተኻየደ መድረኸ ምኽክር ዋዕላ ስርዓት ምሕደራ...
Written on 14/03/2019, 08:47 by admin
2019-03-14-08-47-17በዓል መዚ ል/እቶት ክ/ትግራይ ኣብ ህንፀት ዘመናዊ ስርዓት መረዳእታ ግብሪ ኣመልኪቱ ገምጋማዊ ስልጠና ሂቡ። በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ህንፀት ዘመናዊ ስርዓት መረዳእታ ግብሪ ኣመልኪቱ ንመሓውር ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት...
Written on 04/03/2019, 06:19 by admin
2019-03-04-06-19-17  በዓል መዚ ልምዓት እቶት ገምጋማዊ ስልጠና ኣካይዱ!! በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት 2011 ዓ/ም ኣመልኪቱ ገምጋማዊ ስልጠና...

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ መቐለ ምስ ብርኪ ሀን ለን ነጋዶ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማ መቐለ ኣብ ምቁራፅ ቅብሊት ንሕጋዊ ምኽፋል ግብርን ኣመልኪቱ ምስ ብርኪ ሀንለን ነጋዶ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸባ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ መቐለ ወ/ሮ ብርኽቲ ዘሪሁን እዚ መድረኽ ዘተ ብርኪ ሀንለን ነጋዶ ዕላምኡ ጥዕና ዘለዎ ስርዓት ንግዲ ብምፍጣር ሪፎርምታት ግብሪ ብምትግባር ኣታዊ ከተማና ንምዕባይን እዩ። ብተወሳኪ እውን ከም ከተማ ፅንዓት መሰረት ዝገበረ ከፈልቲ ግብሪ ዝሓሹ፣ መጠንቐቅታ ዝተወሃቦምን ሕጋዊ ቅፅዓት ዝተወሰደሎምን ብርኪ ሀንለን ነጋዶ ክፍለዩ ተገይሩ እዩ።

እዚ መድረኽ ዘተ ምስ ብርኪ ሀንለን ነጋዶ ከተማ መቐለ ኣብ ምቑራፅ ቅብሊትን ሕጋዊ ምኽፋል ግብርን ማእኸል ገይሩ ዝተኻየደ ኮይኑ ፅንዓት ማእኸል ብምግባር ኣብ ቅብሊት ዘይምቑራፅን ዘይሕጋዊ ተግባራትን እናተፈፀሙ እዮም። እቶም ቀንዲ ዘይሕጋዊ ተግባራት ካብ ዝኾኑ ቅብሊት ዘይምቑራፅን ወፃእተት ብምቁላል ዘይተኸፋሊ ሒሳብ መዛግብቲ ምቕራብን እዮም። መፍትሒ እዞም ዘይሕጋዊ ተግባራት ተኸታታሊ ግንዛበ ምፍጣርን ካብዚ ብዝሓለፈ ድማ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ንሓንቲ ቅብሊት 50 ሽሕ ብር ሕጋዊ ቅፅዓት ከም ከተማ 27 ነጋዶ ተቐፃዖም እዮም። ከምኡ’ውን ዘይተኸፋሊ ሒሳብ መዝገብ ንዘቕርቡ እውን ምሉእ ኦዲት ብምግባር ክኽፈል ዝግበኦ ግብሪ ክእከብ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ።

ተሳተፍቲ ኣብቲ መድረኽ ካብ ዘልዐልዎም ከምዚ ዓይነት ተኸታተልቲ መድረኻት ክግበሩ? ኣብ ትካላት ንግዲ ሰራሕተኛ ከጥፍእ ከሎ በዓል ዋና ንምንታይ ይሕተት? መንግስቲ ዝተበላሸው መመዝገቢ መሳርሒ ብእዋኑ ንምንታይ ብእዋኑ ዘይፅግኖም? ቅብሊት ዝሓትት ሕብርተሰብ ኣብ ምፍጣር እንታይ ትመስሉ? ዝብሉ ሕቶታት ተላዒሎም ካብ መድረኽ ብክኢላታትን መራሕትን መብርህን ርኢቶን ምስ ተወሃበ እቲ መድረኽ ተዛዚሙ።

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved