top
logo

ሕትመታት

Written on 13/10/2019, 09:59 by admin
2019-10-13-09-59-11በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ስርዓት ምምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ኣበርቲዑ ይሰርሕከም ዘሎ ኣፍሊጡ።   በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ብምርግጋፅ ስርዓት...
Written on 13/10/2019, 09:39 by admin
2019-10-13-09-39-50በዓል መዚ ልምዓት እቶት ንመሓውር ክኢላታት ኣብ ኣጠቃቅማ ስርዓት ግብሪ ኣመልኪቱ ሞያዊ ስልጠና ሂቡ!!     በዓል መዚ ልምዓት እቶት ኣብ ወርሒ መስከረም 2012 ዓ/ም ኣብ ኣጠቓቕማ ዝተዋደደን ዝተወሃሃደን መንግስታዊ...
Written on 26/09/2019, 05:03 by admin
2019-09-26-05-03-59በዓል መዚ ልምዓት እቶት ምስ ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ኣብ ኣተኣኻኽባ እቶት ሮያሊቲ ኣመልኪቶም ብሓባር ገምጋማዊ ስልጠና ኣካይዶም!!   ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ...
Written on 25/09/2019, 08:40 by admin
2011በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2011 በጀት ዓመት ኣመልኪቱ ምስ ኣመራርሓ መሓውር ዞባታት ፣ ወረዳታትን ከተማታትን ገምጋማዊ ስልጠና ኣካይዱ!!    ኣብቲ መድረኽ ገምጋማዊ ስልጠና ዝተረኸባ ዋና...
Written on 31/08/2019, 09:40 by admin
7ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ 7ይ ዓመት ዝኽሪ መስዋእቲ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ምኽንያት ብምግባር ብዘተ ፓነል ኣኽቢሮም። ኣብቲ 7ይ ዓመት ዝኽሪ መስዋእቲ ስሙይ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ዝተረኸባ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ...

በዓል መዚ ል/እቶት ክ/ትግራይ ኣብ ህንፀት ዘመናዊ ስርዓት መረዳእታ ግብሪ ኣመልኪቱ ገምጋማዊ ስልጠና ሂቡ።

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ህንፀት ዘመናዊ ስርዓት መረዳእታ ግብሪ ኣመልኪቱ ንመሓውር ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማታትን ወረዳታትን ገምጋማዊ ስልጠና ሂቡ።

ኣብቲ መድረኽ ገምጋማዊ ስልጠና ዝተረኸባ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኣሰፉ ሊላይ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ቁጠባዊ ዓቕሚ ክልልናን ሃገርናን ዘፈልፈሎ ተመጣጣንን ፍትሓውን ግብሪ ንምእካብን ልኡኹ ንምዕዋትን ዝተፈላለዩ ሪፎርምታት ግብሪ ቀሪፁ ልምዓታውን ዲሞክራስያውን መስመር ውድብን መንግስትን ብዝሃነፆ ስርዓት ግብሪ እናተተግበረ ከም ዝርከብ ገሊፀን።

 

 

እቲ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ስልጠና ኣብ ህንፀት ዘመናዊ ስርዓት መረዳእታ ግብሪ ይረኣዩ ንዘለው ክፍተታት ዘላቒ መፍትሕታት ብምሃብ ኣብ ፅፉፍ መረዳእታ ዝተመሰረተ ፍትሓዊ ግብሪ ንምእካብን ስራሕቲ በዓል መዚ ንምጥንኻርን ዝዓለመ ከም ዝኾነ ዳይሬክቶር ዳይሬክቶሬት ትምህርትን ስልጠናን በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣይተ በላይ ገ/ወልድ ሓቢሮም።

ህንፀት ዘመናዊ ስርዓት መረዳእታ ተኣማንን ፅፉፍን መረዳእታ ሒዝካ ፍትሓውን ተመጣጣንን ግብሪ ንምእካብ ዝሕግዝ ሓደ ሪፎርም ግብሪ እዩ። ኣብ ፅፉፍ መረዳእታ ዝተመሰረተ ምኽፋል ግብሪ ፅፉፍን ቅልጡፍን ግልጋሎት ብምሃብ ኣብ ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን ምቕናስ ቅሬታን ቁልፊ ግደ ዝፃወት እዩ። ዝተጠናኸረ ስርዓት መረዳእታ ንክህሉ ድማ ብኣሰር ኣፃብዕቲ ዝተደገፈ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ፣ ተወሳኺ እሴት ታክስ፣ መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ፣ ፅንዓት መዓልታዊ መሸጣ፣ ሒሳብ መዝገብ፣ መረዳእታ ዕድጊትን መሸጣን፣ ቲኦቲን ሲግታስን ምስ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብምውዳድ ፅፉፍን ስልጡን ግልጋሎት ንምሃብ ሓገዝቲ ዝኾኑ ሪፎርምታት እዮም። ብፍላይ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝርከብ መረዳእታ ዕድጊትን መሸጣን ናብ ማህደር ምእሳር ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ጥቕሚ ክውዕል ኣለዎ። ከምኡ’ውን ግምት መዓልታዊ መሸጣ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ኣሳታፊ ዝኾነ መፅናዕቲ ብምክያድ ምስ ከፈልቲ ግብርን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ መድረኽ ምርድዳእ ክገብርሉ ከም ዝግበእ ኣብቲ መድረኽ ቀሪቡ።

 

ብወገን ተሳታፍቲ እቲ ገምጋማዊ ስልጠና ድማ መተሓባበሪ ኣይተ ሃይለ ገብሩን ኣይተ ሃ/ማርያም ተ/ማኖትን ካብዚ ገምጋማዊ ስልጠና ዘመናዊ ህንፀት ስርዓት መረዳእታ ንክጠናኸር ኩሉ ከፋሊ ግብሪ መለለይ ከፋላይነት ቁፅሪ ኣውፂኡ ምስ ቴክኖሎጂ ክናበብ ክግበር ከም ዘለዎን ካሊእ ድማ መረዳእታ ዕድጊትን መሸጣን ዝምልከት እውን ናብ ግብሪ ውሳነ ክውዕልን ፅፉፍ ምምሕዳር መረዳእታ ክህሉን ዝብሉ ተሞክሮታት ከም ዝቐሰሙን እቲ ዝረኸብዎ ተሞኩሮ ድማ ፅፉፍን ቅልጡፍን ግልጋሎት ንምሃብን ፍትሓዊ ግብሪ ንምእካብን ከም ዝሕግዞምን ሓሳቦም ገሊፆም።  

 

                                                                             ዳይሬክቶሬት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን

                                                                                በዓል መዚ ልምዓት እቶት

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved