Hits: 797

በዓል መዚ ል/እቶት ክ/ትግራይ ኣብ ህንፀት ዘመናዊ ስርዓት መረዳእታ ግብሪ ኣመልኪቱ ገምጋማዊ ስልጠና ሂቡ።

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ህንፀት ዘመናዊ ስርዓት መረዳእታ ግብሪ ኣመልኪቱ ንመሓውር ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ከተማታትን ወረዳታትን ገምጋማዊ ስልጠና ሂቡ።

ኣብቲ መድረኽ ገምጋማዊ ስልጠና ዝተረኸባ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኣሰፉ ሊላይ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ቁጠባዊ ዓቕሚ ክልልናን ሃገርናን ዘፈልፈሎ ተመጣጣንን ፍትሓውን ግብሪ ንምእካብን ልኡኹ ንምዕዋትን ዝተፈላለዩ ሪፎርምታት ግብሪ ቀሪፁ ልምዓታውን ዲሞክራስያውን መስመር ውድብን መንግስትን ብዝሃነፆ ስርዓት ግብሪ እናተተግበረ ከም ዝርከብ ገሊፀን።

 

 

እቲ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ስልጠና ኣብ ህንፀት ዘመናዊ ስርዓት መረዳእታ ግብሪ ይረኣዩ ንዘለው ክፍተታት ዘላቒ መፍትሕታት ብምሃብ ኣብ ፅፉፍ መረዳእታ ዝተመሰረተ ፍትሓዊ ግብሪ ንምእካብን ስራሕቲ በዓል መዚ ንምጥንኻርን ዝዓለመ ከም ዝኾነ ዳይሬክቶር ዳይሬክቶሬት ትምህርትን ስልጠናን በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣይተ በላይ ገ/ወልድ ሓቢሮም።

ህንፀት ዘመናዊ ስርዓት መረዳእታ ተኣማንን ፅፉፍን መረዳእታ ሒዝካ ፍትሓውን ተመጣጣንን ግብሪ ንምእካብ ዝሕግዝ ሓደ ሪፎርም ግብሪ እዩ። ኣብ ፅፉፍ መረዳእታ ዝተመሰረተ ምኽፋል ግብሪ ፅፉፍን ቅልጡፍን ግልጋሎት ብምሃብ ኣብ ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን ምቕናስ ቅሬታን ቁልፊ ግደ ዝፃወት እዩ። ዝተጠናኸረ ስርዓት መረዳእታ ንክህሉ ድማ ብኣሰር ኣፃብዕቲ ዝተደገፈ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ፣ ተወሳኺ እሴት ታክስ፣ መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ፣ ፅንዓት መዓልታዊ መሸጣ፣ ሒሳብ መዝገብ፣ መረዳእታ ዕድጊትን መሸጣን፣ ቲኦቲን ሲግታስን ምስ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብምውዳድ ፅፉፍን ስልጡን ግልጋሎት ንምሃብ ሓገዝቲ ዝኾኑ ሪፎርምታት እዮም። ብፍላይ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝርከብ መረዳእታ ዕድጊትን መሸጣን ናብ ማህደር ምእሳር ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ጥቕሚ ክውዕል ኣለዎ። ከምኡ’ውን ግምት መዓልታዊ መሸጣ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ኣሳታፊ ዝኾነ መፅናዕቲ ብምክያድ ምስ ከፈልቲ ግብርን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ መድረኽ ምርድዳእ ክገብርሉ ከም ዝግበእ ኣብቲ መድረኽ ቀሪቡ።

 

ብወገን ተሳታፍቲ እቲ ገምጋማዊ ስልጠና ድማ መተሓባበሪ ኣይተ ሃይለ ገብሩን ኣይተ ሃ/ማርያም ተ/ማኖትን ካብዚ ገምጋማዊ ስልጠና ዘመናዊ ህንፀት ስርዓት መረዳእታ ንክጠናኸር ኩሉ ከፋሊ ግብሪ መለለይ ከፋላይነት ቁፅሪ ኣውፂኡ ምስ ቴክኖሎጂ ክናበብ ክግበር ከም ዘለዎን ካሊእ ድማ መረዳእታ ዕድጊትን መሸጣን ዝምልከት እውን ናብ ግብሪ ውሳነ ክውዕልን ፅፉፍ ምምሕዳር መረዳእታ ክህሉን ዝብሉ ተሞክሮታት ከም ዝቐሰሙን እቲ ዝረኸብዎ ተሞኩሮ ድማ ፅፉፍን ቅልጡፍን ግልጋሎት ንምሃብን ፍትሓዊ ግብሪ ንምእካብን ከም ዝሕግዞምን ሓሳቦም ገሊፆም።  

 

                                                                             ዳይሬክቶሬት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን

                                                                                በዓል መዚ ልምዓት እቶት