top
logo

ሕትመታት

Written on 08/06/2019, 06:02 by admin
2011-2012ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን ንምዕዋት ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከም ዘሎ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ቅድመ ምድላው ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 2011/12 በጀት ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን...
Written on 08/06/2016, 06:06 by admin
revenue-week2008በዓልመዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን ንምዕዋት ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ቅድመ ምድላው ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 2008/9 በጀት ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን...
Written on 08/06/2019, 05:29 by admin
2019-06-08-05-29-12ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ፍትሓውን ዘመናውን ክኸውን ከም ዘለዎ ተሓቢሩ!!    ብምትሕብባር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይን ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዲስትርን ኣብ ዝተኻየደ መድረኸ ምኽክር ዋዕላ ስርዓት ምሕደራ...
Written on 14/03/2019, 08:47 by admin
2019-03-14-08-47-17በዓል መዚ ል/እቶት ክ/ትግራይ ኣብ ህንፀት ዘመናዊ ስርዓት መረዳእታ ግብሪ ኣመልኪቱ ገምጋማዊ ስልጠና ሂቡ። በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ህንፀት ዘመናዊ ስርዓት መረዳእታ ግብሪ ኣመልኪቱ ንመሓውር ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት...
Written on 04/03/2019, 06:19 by admin
2019-03-04-06-19-17  በዓል መዚ ልምዓት እቶት ገምጋማዊ ስልጠና ኣካይዱ!! በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት 2011 ዓ/ም ኣመልኪቱ ገምጋማዊ ስልጠና...

ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን ንምዕዋት ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከም ዘሎ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ቅድመ ምድላው ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 2011/12 በጀት ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን ሓቢርካ ብምስራሕ ብሰፊሕ ተሳትፎ ውዳበታትን ሓፋሽ ማሕበራት ኣቢልካ ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን ንምዕዋት ዝዓለመ መድረኽ እዩ ክብሉ ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትርን ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ኣገንዚቦም።

ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን ንምዕዋት ካብ ክልል ጀሚሩ ክሳብ ቀዋምን ግዝያውን ግልጋሎት ምውሃቢ ማእኸላት ብምጥንኻር ኣመራርሓ ውድብን መንግስትን፣ ከፈልቲ ግብርን ውዳበታት ሓፋሽ ማሕበራትን ኣብ ዘለውሉ ልዕሊ 110 ሽሕ ብርኪ ሐ ነጋዶን ልምዓት ደኣንትን፣ 52,665 መካረይቲ ገዛን ኣብ እዋኖም ግብሪ ክኸፍሉን ንግዲ ፍቓዶም ከሐድሱ ብምግባር ከፈልቲ ግብሪ ንልምዓት ዓዶም ዝውዕል ግብሪ ብዘይ ቕሬታ ንኽኸፍሉ በቢ ብርኩ ግንዛበ መዕበዪ ትምህርትን ስልጠናን ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ኣብ ቀደማይን ካልኣይን ዙር መዓልታዊ መፅናዕቲ መሰረት ብምግባር ዝተወሰነ ግብሪ በቢ ብርኩ ሓበራዊ መድረኻት ተጠናኺሮም ክሳለጡ ይግባእ ክብሉ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ገሊፆም።

እዚ ንመበል ሻምናይ ግዘ ዝትግበር ክረምታዊ መደብ እቶትን ንግድን እዋናውን ስሉጥን ግልጋሎት ብምሃብ ስርዓት ግብሪ ፍልፍል ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳር ንኽኸውን ዝሕግዝ መድረክ ኮይኑ ምኽፋል ፍትሓዊ ግብሪ ንዘላቂ ልምዓትናን ህልውናናን ብዝብል ቴማ ክሳለጥ እዩ። ብቀፃልነት ምስ ከፈልቲ ግብርን ነባራይ ሕብረተሰብን ዝካየዱ መድኻት ክሳብ 15 ሰነ 2011 በጀት ዓመት ክዛዘሙ ብምግባር ክሳብ መወዳእታ ሰነ 2011 በጀት ዓመት ምጅማር ምክፋል ግብሪ 2011/12 ንምብሳር ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ምሕዝነታዊ ውድድራት ስፖርት፣ ሙዚቃዊ ምርኢታትን ምንቕስቃስ ክለባት ግብሪ ንልምዓትን ብምክያድ ንሞዴላት ከፈልቲ ግብሪ በቢ ብርኩ ኣፍልጦ ክወሃቦም ከም ዝግበር ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኣሰፉ ሊላይ ሓቢረን።

ኣብቲ ሓበራዊ መድረኽ ልምዓታውን ዲሞክራስያውን ኣተሓሳስባ ፈጢርካ ፍትሓውን ተመጣጣንን ግብሪ ምእካብ ወሳኒ ብምኻኑ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ሓደ ምኹል ቦታ ብምኻን ኣብዚ ክረምታዊ መደብ ሓበራዊ ግልጋሎት ክወሃብ ይግባእ ክብላ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኣሰፉ ሊላይ ኣተሓሳሲበን

                                                                  

                                     በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved