top
logo

ሕትመታት

Written on 16/11/2019, 10:39 by admin
2019-11-16-10-39-03በዓል መዚ ልምዓት እቶት መደባቱ ብተሳትፎ ውዳበታት ህዝብን ከፈልቲ ግብርን ንምዕዋት ኣበርቲዑ ይሰርሕከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ንኣፈፃፅማ መደባት ቀደማይ ርብዒ ዓመት 2012 በጀት ዓመት ኣመልኪቱ ንሚድያታትን ርክባት ህዝብን መግለፂ ዝሃባ ዋና...
Written on 04/11/2019, 11:10 by admin
sigtas-2በዓል መዚ ልምዓት እቶት 2ይ ዙር ኣብ ኣጠቃቅማ SIGTAS ኣመልኪቱ ሞያዊ ስልጠና ሂቡ!!   በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2012 ዓ/ም ኣብ ኣጠቓቕማ ዝተዋደደን ዝተወሃሃደን መንግስታዊ ምሕደራ ስርዓት...
Written on 13/10/2019, 09:59 by admin
2019-10-13-09-59-11በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ስርዓት ምምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ኣበርቲዑ ይሰርሕከም ዘሎ ኣፍሊጡ።   በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ብምርግጋፅ ስርዓት...
Written on 13/10/2019, 09:39 by admin
2019-10-13-09-39-50በዓል መዚ ልምዓት እቶት ንመሓውር ክኢላታት ኣብ ኣጠቃቅማ ስርዓት ግብሪ ኣመልኪቱ ሞያዊ ስልጠና ሂቡ!!     በዓል መዚ ልምዓት እቶት ኣብ ወርሒ መስከረም 2012 ዓ/ም ኣብ ኣጠቓቕማ ዝተዋደደን ዝተወሃሃደን መንግስታዊ...
Written on 26/09/2019, 05:03 by admin
2019-09-26-05-03-59በዓል መዚ ልምዓት እቶት ምስ ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ኣብ ኣተኣኻኽባ እቶት ሮያሊቲ ኣመልኪቶም ብሓባር ገምጋማዊ ስልጠና ኣካይዶም!!   ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ...

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ስርዓት ምምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ኣበርቲዑ ይሰርሕከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

 

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ብምርግጋፅ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ፍልፍል ዘላቂ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንኽኸውን ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሮክቶሬት ምኽባር ሕጊ እቶትን ኢንተለጀንስን ኣይተ ተስፋይ ታደሰ ኣገንዚቦም።

ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ካብ ምዃን ድሒኑ ፍልፍል ዘላቂ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንኽኸውን ኣብ ቀደማይ ርብዒ ዓመት 2012 በጀት ዓመት ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ህንፃ መሳርሒ፣ ጅምላ ሸቀጣ ሸቀጥ፣ ግልጋሎት ወሃብትን እንዳ መስተን ኣብ ዝተዋፈሩ 621 ከፈልቲ ግብሪ ቅብሊት መሰረት ብምግባር ዳህሳስ ፅንዓት ዝተኻየደ ኾይኑ ካብቶም ዝተፀንዑ እቶም 500 ከፈልቲ ግብሪ ንተገልገልቲ ዓማዊል ናይ ዝተጠቀመሉ ግልጋሎት ቅብሊት ከም ዘይህቡ ተፀኒዑ እዩ። ካብቶም ዝተፀንዑ ከፈልቲ ግብሪ ኣብ ግድድ ኢሎም ልዕልነት ሕጊ ግብሪ ዝጠሓሱ 47 ከፈልቲ ግብሪ ነንሕድሕዶም 50,000 ብር ምምሕዳራዊ መቅፃዕቲ ብምቅፃዕ ብገበን እውን ክሕተቱ ይግበር ከም ዘሎ ኣይተ ተስፋይ ታደሰ ገሊፆም።

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ንበይኑ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ኣካብነት ክራይ ግብርን ታክስን ከዳኽሞ ስለዘይኽእል ምስ መላእ ሕብረተሰብን መዳርግቲ ኣካላትን ተዋዲድካ ብምስራሕ ኣብ ዝኸፈአ ስወራን ምጭብርባርን ግብርን ታክስን ንዝተዋፈሩን ብተደጋጋሚ ሕጊ ዝጥሕሱን ከፈልቲ ግብሪ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ብምቕዳም እቲ ሕጊ ዝፈቕዶ ስጉምቲ ከም ዝውሰደሎም ኣይተ ተስፋይ ታደሰ ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

 

                                                                                                              ሃይላይ ኪሮስ

                                                                ላዕለዋይ ክኢላ ርክብ ህዝቢ

                                                         በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ

 

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved