top
logo

ሕትመታት

Written on 27/01/2020, 13:01 by admin
45-11 ሰራሕተናታትን ኣመራርሓን ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ብምኽንያት ምኽባር መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓት ...
Written on 03/01/2020, 15:12 by admin
2020-01-03-15-12-41ቅብሊት ዝህብን ዝሓትትን ነጋዳይን ሸማታይ ማሕበረሰብን ንምፍጣር ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ዓይደር ኣፍሊጡ!! ኣብ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ኣመራርሓን መዳርግቲ ኣካላትን ክፍለ...
Written on 26/12/2019, 13:58 by admin
2019-12-26-13-58-51ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ቀደማይ ወያነ ቅብሊት ዝህብን ዝሓትትን ማሕበረሰብ ንግድን ሕብረተሰብን ንምፍጣር መድረኽ ምንቅናቕ ኣካይዱ ሐዚ ኣብዛ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ከም ክልል ቁጠባውን ፋይናንሳውን ዓቕሚ ትግራይ...
Written on 26/12/2019, 13:01 by admin
2019-12-26-13-01-20ኣብ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ስርዓት ምሕደራ ግብርን ንግድን ምክልኻል ኮንትሮባንድን ዘተኮረ መድረኽ ምንቕናቕ ህዝብን ኣመራርሓን ቅንያት ግብሪ ትግራይ ተኻይዱ!! ኣብ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ስርዓት ግብርን ንግድን ምክልኻል ኮንትሮባንድን ዘተኮረ...
Written on 20/12/2019, 08:38 by admin
2019-12-20-08-38-48በዓል መዚ ልምዓት እቶትን ኮሙሽን ግምሩክ ጨንፈረ መቐለን ገምጋማዊ ስልጠና ኣካይዶም!!    በዓል መዚ ልምዓት እቶትን ኮሙሽን ግምሩክ ጨንፈረ መቐለን ብሓባር ኣብ ምርግጋፅ ፍትሓዊ ምእካብ ግብርን ምስፋን ሕጋዊ ስርዓት...

ኣብ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ስርዓት ምሕደራ ግብርን ንግድን ምክልኻል ኮንትሮባንድን ዘተኮረ መድረኽ ምንቕናቕ ህዝብን ኣመራርሓን ቅንያት ግብሪ ትግራይ ተኻይዱ!!

ኣብ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ስርዓት ግብርን ንግድን ምክልኻል ኮንትሮባንድን ዘተኮረ ብምትሕብባር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ፣ ቢሮ ንግድን ኢንዳስትርን ከተማ ልምዓትን ፣ ኮሙሽን ግምሩክ ጨንፈር መቐለን ፊደራል ሚኒስተር እቶት ጨንፈር መቐለን መድረኽ ምንቕናቕ ህዝብን ኣመራርሓን ቅንያት ግብሪ 2012 ዓ/ም ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓትን ብደረጃ ማዕርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ሓላፊ ቢሮ ንግድን ኢንዱስትርን ከተማ ልምዓትን ዶ/ር ኣብረሃም ተኸስተ እቲ መድረኽ ኣካል ምንቕናቕ ቅንያት ግብርን ምክልኻል ዘይሕጋዊ ንግድን ኮንትሮባንድን ኮይኑ ኣብ ስርዓት ምሕደራ ግብርን ንግድን ልዕልነት ሕጊ ብምርግጋፅ ሰላምን ሃላዋትን ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ዝገብርን ኣካል መኸተ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ እዋናዊ ሓደጋን ስለዝኾነ ኣብ ህንፀት ምዕብልቲ ትግራይ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ተሓጋጊዙ ክሰርሕ ከም ዘለዎ ሓቢሮም። 

ብተወሳኺ ድማ ሰራዊት ልምዓትን መኸትን ብምጥንኻር ኣብ ስርዓት ግብርን ንግድን ልዕልነት ሕጊ ነረጋግፅ ብዝብል መሪሕ ቃል ምንቕናቕ ግብሪ 2012 በጀት ዓመትን ምክልኻል ዘይሕጋዊ ንግድን ኮንትሮባንድን ዓሊሙ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ኮይኑ ድልዱል መሰረት ዘለዎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዓቕሚ ብምፍጣር ሓድነትና ዘጠናኽር ከም ዝኾን ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኣሰፉ ሊላይ ገሊፀን። 

ምስዚ ብተዛማዲ ክልልና ተምሳሌት ዕብየትን ዲሞክራስን ንክትኸውን ሓበራዊ ኣተሓሳስባ ሒዝና ምዕብልቲ ትግራይ ኣብ ምህናፅ ጉዳይ ግብሪ እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ስለ ዝኾነን ግቡእና እናፈፀምና መሰልና እናሓተትና ክንትግብሮ ከም ዝግባእ ፕረዚዳን ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ክልል ትግራይ ኣይተ ኣሰፋ ገ/ስላሴ ኣብሪሆም።

ብወገን ተሳተፍቲ እውን ኣብ ምድጋፍ ሰላምን ልምዓትን ትግራይ ኣብ ቅብሊት ምሃብን ምሕታትን ፣ ምቅላዕ ዘይሕጋዊ ቅብሊት ፣ ኣብ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ንግድን ኮንትሮባንድን ፣ ኣብ ቅንዕና ሒሳብ ክኢላታት ፣ ኣብ ምምሕያሽ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ምዝማን ስርዓት ግብርን ንግድን ኩሉ ከፋሊ ግብርን ዝምልከቶ ኣካልን ግቡኡ ክዋፃእ ከም ዘለዎ ርኢቶ ሂቦም።

                                                

     

     ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ

 

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved