top
logo

ሕትመታት

Written on 27/01/2020, 13:01 by admin
45-11 ሰራሕተናታትን ኣመራርሓን ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ብምኽንያት ምኽባር መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓት ...
Written on 03/01/2020, 15:12 by admin
2020-01-03-15-12-41ቅብሊት ዝህብን ዝሓትትን ነጋዳይን ሸማታይ ማሕበረሰብን ንምፍጣር ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ዓይደር ኣፍሊጡ!! ኣብ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ኣመራርሓን መዳርግቲ ኣካላትን ክፍለ...
Written on 26/12/2019, 13:58 by admin
2019-12-26-13-58-51ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ቀደማይ ወያነ ቅብሊት ዝህብን ዝሓትትን ማሕበረሰብ ንግድን ሕብረተሰብን ንምፍጣር መድረኽ ምንቅናቕ ኣካይዱ ሐዚ ኣብዛ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ከም ክልል ቁጠባውን ፋይናንሳውን ዓቕሚ ትግራይ...
Written on 26/12/2019, 13:01 by admin
2019-12-26-13-01-20ኣብ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ስርዓት ምሕደራ ግብርን ንግድን ምክልኻል ኮንትሮባንድን ዘተኮረ መድረኽ ምንቕናቕ ህዝብን ኣመራርሓን ቅንያት ግብሪ ትግራይ ተኻይዱ!! ኣብ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ስርዓት ግብርን ንግድን ምክልኻል ኮንትሮባንድን ዘተኮረ...
Written on 20/12/2019, 08:38 by admin
2019-12-20-08-38-48በዓል መዚ ልምዓት እቶትን ኮሙሽን ግምሩክ ጨንፈረ መቐለን ገምጋማዊ ስልጠና ኣካይዶም!!    በዓል መዚ ልምዓት እቶትን ኮሙሽን ግምሩክ ጨንፈረ መቐለን ብሓባር ኣብ ምርግጋፅ ፍትሓዊ ምእካብ ግብርን ምስፋን ሕጋዊ ስርዓት...

ቅብሊት ዝህብን ዝሓትትን ነጋዳይን ሸማታይ ማሕበረሰብን ንምፍጣር ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ዓይደር ኣፍሊጡ!!

ኣብ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ኣመራርሓን መዳርግቲ ኣካላትን ክፍለ ከተማ ዓይደር ተዋዲዶም ቅብሊት ዝህብን ዝሓትትን ነጋዳይን ሸማታይ ማሕበረሰብን ንምፍጣር ክሰርሑ ይግባእ ክብሉ ምኽትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣይተ ወ/ገብርኤል ኣፅብሃ ኣገንዚቦም።

 

መደባት ልምዓት እቶት ብተሳትፎ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን ንምዕዋት ንሰብ ሃፍቲ ምቹው ኩነታት ብምፍጣር ፍትሓውን ተመጣጣን ግብሪ ንምእካብ ምስ በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓን መዳርግቲ ኣካላት ተዋዲዱ ይስርሕ ከም ዘሎ ኣይተ ወ/ገብርኤል ኣፅብሃ ገሊፆም።

ንተገልገልቲ ዓማዊል ቅብሊት ዘይህቡ 12 ነጋዶ ነንሕድሕዶም 50 ሽሕ ብር ብምቅፃዕ ኣብቲ መድረኽ ዝተቓልዑ ኮይኖም መደባት ልምዓት እቶት ብቀፃልነት ንምዕዋት ከም ኣመራርሓን መዳርግትን ብኣተሓሳስባ ድሉዋት ኮይኖም ቅብሊት ዝህብን ዝሓትትን ነጋዳይን ሕብረተሰብን ብምፍጣር ኣብ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ብምቕዳም እናፈለጡ ሕጊ ኣብ ዘየኽብሩ ከፈልቲ ግብሪ እቲ ሕጊ ዝፈቕዶ ስጉምቲ ክውሰደሎም ከም ዝግበር ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ዓይደር ወ/ሮ ኣልማዝ ወ/ገብርኤል ሓቢረን።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ወ/ሮ ኣለም ገ/ስላሴን ሃለቃ ኣብርሃ ኣሰፋን ብወገኖም ግብሪ ዘጭበርብርን ዝስውርን ነጋዳይ ንድሕንነትና ሓደጋ ክኾኑ ካብ ዝኽእሉ ኣካላት ፈሊና ኣይንሪኦምን ክብሉ ገሊፆም።

 

 

ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ

                                                               በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved