ቅብሊት ዝህብን ዝሓትትን ነጋዳይን ሸማታይ ማሕበረሰብን ንምፍጣር ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ዓይደር ኣፍሊጡ!!

ኣብ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ኣመራርሓን መዳርግቲ ኣካላትን ክፍለ ከተማ ዓይደር ተዋዲዶም ቅብሊት ዝህብን ዝሓትትን ነጋዳይን ሸማታይ ማሕበረሰብን ንምፍጣር ክሰርሑ ይግባእ ክብሉ ምኽትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣይተ ወ/ገብርኤል ኣፅብሃ ኣገንዚቦም።

 

መደባት ልምዓት እቶት ብተሳትፎ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን ንምዕዋት ንሰብ ሃፍቲ ምቹው ኩነታት ብምፍጣር ፍትሓውን ተመጣጣን ግብሪ ንምእካብ ምስ በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓን መዳርግቲ ኣካላት ተዋዲዱ ይስርሕ ከም ዘሎ ኣይተ ወ/ገብርኤል ኣፅብሃ ገሊፆም።

ንተገልገልቲ ዓማዊል ቅብሊት ዘይህቡ 12 ነጋዶ ነንሕድሕዶም 50 ሽሕ ብር ብምቅፃዕ ኣብቲ መድረኽ ዝተቓልዑ ኮይኖም መደባት ልምዓት እቶት ብቀፃልነት ንምዕዋት ከም ኣመራርሓን መዳርግትን ብኣተሓሳስባ ድሉዋት ኮይኖም ቅብሊት ዝህብን ዝሓትትን ነጋዳይን ሕብረተሰብን ብምፍጣር ኣብ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ብምቕዳም እናፈለጡ ሕጊ ኣብ ዘየኽብሩ ከፈልቲ ግብሪ እቲ ሕጊ ዝፈቕዶ ስጉምቲ ክውሰደሎም ከም ዝግበር ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ዓይደር ወ/ሮ ኣልማዝ ወ/ገብርኤል ሓቢረን።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ወ/ሮ ኣለም ገ/ስላሴን ሃለቃ ኣብርሃ ኣሰፋን ብወገኖም ግብሪ ዘጭበርብርን ዝስውርን ነጋዳይ ንድሕንነትና ሓደጋ ክኾኑ ካብ ዝኽእሉ ኣካላት ፈሊና ኣይንሪኦምን ክብሉ ገሊፆም።

 

 

ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ

                                                               በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ