ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ብምኽንያት ምኽባር መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ዑደት ኣካይዶም

 

 

 

ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ብምኽንያት ምኽባር መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ኣብ ዝተፈላለዩ ታሪካዊ መዋፈርታት ህወሓት ዑደት ኣካይዶምትግራይ።

እቶም ዑደት ዘካየዱ ኣካላት ኣብ መጀመርታ ቃልሲ ህወሓት ዝኾነት ታሪካዊ ቦታ ደደቢት ግድብ ዛሬማ መይደይ ፋብሪካ ስኳር ወልቃይትን ካልኦት መዋፈርታት ውድብ ቦታታትን ብኣካል ተረኺቦም ሃዊፆም ትምህርትን ተሞኩሮን ብምቕሳም ሕድሪ ከምዝተቐበሉ ሓሳቦም ገሊፆም እዮም።