በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ምኽባር ሕግታት ግብሪ ኣመልኪቱ ንክኢላታትን መተሓባበርትን ምኽባር ሕጊ ገምጋማዊ ስልጠና ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ፣

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ምኽባር ሕግታት ግብርን ታክስን ኣመልኪቱ ንክኢላታትን መተሓባበርትን ምኽባር ሕጊ ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ኣብ ከተማ ኣክሱም ገምጋማዊ ስልጠና ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ፣

 

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ወናኒ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ምኽባር ሕግን ኢንተለጀንስን በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ታደሰ እዚ ገምጋማዊ ስልጠና ኣብ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ኣብ ምኽባር ወሰንቲ ዝኾኑ ኣብ ቅብሊት ዘይምቑራፅ፣ ዘይሕጋዊ ሕትመት ምጥቃም፣ ኣብ መሸጣን ክራይን ገዛ ዝረኣዩ ዘለው ዘይሕጋዊ ተግባራት ምስዋርን ምጭብርባርን ግብሪ ብምፍላይ ፍትሓዊ ግብሪ ንምእካብን ከምኡ እውን ሕጋዊ ዝኾነ መምሃሪ ስጉምትታት ንምውሳድ ዓቕሚ ዝፈጥር ከም ዝኾነ ገሊም።

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ኩሎም ሒሳብ መዛግብቲ ብሙሉእ ኦዲት ክምርመሩን ብመ”ናዕቲ መዓልታዊ መሸጣ ክድገፍ፣ ኣብ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ውሱናት ዓበይቲ ነጋዶን ዝረኣዩ ዘለው ዘይሕጋዊ ተግባራት ስወራ ግብሪ ፍሉይ ክትትል ክግበር ከም ዘለዎ ተሓቢሩ፡፡ ኣብዚ በጀት ዓመት ብር 6.717 ቢሊዮን ግብሪ ንምእካብ ተተሊሙ ክሳብ ፍርቂ ዓመት ብር 3.02 ቢሊዮን ዝተኣከበ ኮይኑ ካብ ዓመታዊ ትልሚ 44.99% ካብ ትልሚ ፍርቂ ዓመት ድማ 85% ከም ዝተፈፀመ ኣብቲ መድረኽ ቀሪቡ፡፡

ብወገን ተሳተፍቲ ድማ ካብዚ ገምጋማዊ ስልጠና ኣብ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ጠንኪሮም ብምስራሕ ኣብ ቁጠባዊ ዓርሰ ምርኮሳ ትግራይ በርቲዖም ከም ዝሰርሑ ቃል ኣትዮም።

 

 

                                                                 

 

                                        ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ

                          በዓል መዚ ልምዓት እቶት