ትሸዓንተ ኣባላት ዝሓዘ ንኡስ ኮማንድ ፖስት ብብርኪ ክልል ብምጥያሽ ኣብ ተግባር ምዕራፍ ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን ኣብ ሓደ ቦታ ኮይኖም ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 እናተኸላኸሉ ስሉጥን ፅፉፍን ግልጋሎት ተዋሂቡ እዩ። ክረምታዊ መደባት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ጎናጎኒ ምክልኻል ለበዳ ኮረና ቫይረስ ደረጃ ሐ ከፈልቲ ግብሪ 92 ሚኢታዊ ዝተወሰነሎም ግብሪ ኣብ እዋኖም ዝኸፈሉ እንትኾኑ መካረይቲ ድማ 67 ሚኢታዊ ብምኽፋል ኣብ ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 2012/13 በጀት ዓመት 396,805,516 ብር ኣታዊ ከም ዝተረኸበ ወ/ሮ ኣሰፉ ሊላይ ኣገንዚበን

ሐዚ እውን ኣብ ቅብሊት ምቑራፅ ብተደጋጋሚ ዋላካ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ እንተተወገኑ ኣብ ከፈልቲ ግብርን ተገልጋላይ ሕብረተሰብን ቅብሊት  ምሕታትን ምቁራፅን ከም ባህልን ልምድን ጌርካ ኣብ ምውሳድ ዝተርፍ ብምዃኑ ኣብ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ብቐፃሊ ተጠናኺሩ ከም ዝስርሐሉ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኣሰፉ ሊላይ ኣተሓሳሲበን።

                              በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ