Hits: 3808

መእተዊ

ብርክት ዝበላ ሃገራት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ (ICT)ንምምሕየሽን ምልዋጥን ማሕበራውን ኢኮኖሚያዊን ምንቅስቃስ ወሳኒ ተራ ዘለዎ ምዃኑ ተረዲአን ነዚ ቴክኖሎጂ ዝለዓለ ጠመተ ብምሃብ ዝለዓለ ረብሓን ምዕባለን ክረኽባ ክኢለን እየን፡፡ በዚ መሰረት ICT ኣብ ኣተኣኻኽባ እቶት ሃገራት ክህልዎ ዝኽእል ኣበርክቶ መጠኑ ሰፊሕን ዓሚቕን ምዃኑ ብጋህዲ እናተረአየ ዝፀነሐን ዘሎን ሓቂ እዩ፡፡ ብፍላይ ከይዲ ምውሳን ግብርን ታክስን ብኣውቶሜሽን ክሕገዝ ብምግባር ምስ ህልዊ ኩነታተን ዝተጠዓዓመን ፍትሓዊን ኣወሳስና ግብርን ታክስን ክህሊ ብምግባርን ቁልጡፍን ፅፉፍን ግልጋሎት ብምሃብ ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ምንጋስን ዝለዓለ እቶት ኣብ ምርካብን ዓብዪ ውፅኢት እናረኸባ ይርከባ፡፡ በተመሳሳሊ ሃገርና ኢትዮጵያ ’ውን ተረባሒት እዚ ቴክኖሎጂ ንምዃን መጠነ ሰፊሕ ምንቅስቓስ እናገበረት ትርከብ፡፡

 ስለዝኾነ ድማ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስትና ICT ኣብ ኣተኣኻኽባ እቶት ክህልዎ ዝኽእል ኣበርክቶ ብዝድለ መንገዲ ብምፍላይ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ዘኽእል ዓቕሚ፣ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ንምፍጣር ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ቴክኖሎጂን ተባሂሉ ዝተቐረፀ ከይዲ ስራሕ እዩ፡፡

 ትርጉም ከይዲ ስራሕ (ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ቴክኖሎጂን)

 እዚ ከይዲ ስራሕ ዝተዋደደ ስርዓት ምምሕዳር ግብርን ታክስን (SIGTAS) ካብ ክልል ጀሚሩ ክሳብ ከተማታትን ወረዳታትን ብምእትታውን ብምግፋሕን ብICT ዝተሓገዘ ዘመናዊ ግብርን ታክስን ክህሊ ብምግባር ስሉጥን ፅፉፍን ግልጋሎት ንምሃብ ከምኡውን ስርዓቱ ዝሐለወ ምምሕዳር ኢንፎርሜሽንን መረዳእታን እቶት ብምቕራፅ ተግባራዊ ምግባር፣ ምኽርን ስልጠናን ICT ምሃብ፣ ዝርገሐን ግልጋሎት ፅገናን ኔትዎርክ ምክያድ፣ ስፔሲፊኬሽን ናውቲ ቴክኖሎጂ ምድላው፣ ቴክኒካል ግምገማ ምክያድን ክትትልን ድጋፍን ዝተዘርገሐ ዝተዘርገሐ ICT ምሃብ ዘጠቓለለ እዩ፡፡

 

ዓበይቲ ተግባራት እዚ ከይዲ ስራሕ