Hits: 4449

በዓልመዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን ንምዕዋት ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ቅድመ ምድላው ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 2008/9 በጀት ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን ሓባርካ ብምስራሕ ብሰፊሕ ተሳትፎን ውዳበታትን ህዝብን ኣቢልካ ስሉጥ ግልጋሎት ንምሃብ ዝዓለመ መድረክ እዩ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትርን ክቡር ዶክተር እምባሳደር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ኣገንዚቦም።

   12

 

 

 ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን ንምዕዋት ካብ ክልል ጀሚሩ ክሳብ ቀዋምን ግዝያውን ግልጋሎት ምውሃቢ ማእኸላት ብምጥንኻር ኣመራርሓ ውድብን መንግስትን፣ ከፈልቲ ግብርን ውዳበታት ሓፋሽ ማሕበራትን ኣብ ዘለውሉ ልዕሊ 90 ሽሕ ብርኪ ሐ ነጋዶን ልምዓት ደኣንትን ኣብ እዋኖም ግብሪ ክኸፍሉን ንግዲ ፍቓዶም ከሐድሱ ብምግባር ልዕሊ 99 ሚኢታዊ ከፈልቲ ግብሪ ንልምዓት ዓዶም ዝውዕል ግብሪ ብዘይ ቅሬታ ንክኸፍሉ በቢ ብርኩ ግንዛበ መዕበዪ ትምህርትን ስልጠናን ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ካብ ቀደማይ ዙር ክሳብ ሳልሳይ ዙር መዓልታዊ መፅናዕቲ  ብምክያድ ዝተወሰነ ግብሪ መሰረት ብምግባር በቢ ብርኩ ሓበራዊ መድረካት እናተሳለጡ ከም ዝርከቡ ክቡር ዶክተር እምባሳደር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ገሊፆም።

እዚ ንመበል ሓምሻይ ግዘ ዝትግበር ክረምታዊ መደብ እቶትን ንግድን እዋናውን ስሉጥን ግልጋሎት ብምሃብ ስርዓት ግብሪ ፍልፍል ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳር ንኽኸውን ዝሕግዝ መድረክ ኮይኑ ምስ ከፈልቲ ግብርን ነባራይ ሕ/ሰብን ዝካየዱ መድረኻት ክሳብ 25 ሰነ 2008 በጀት ዓመት ክዛዘሙ ብምግባር ካብ 26 ሰነ 2008 በጀት ዓመት ክሳብ 30 ሰነ 2008 በጀት ዓመት ምጅማር ምክፋል ግብሪ 2008/9  ንምብሳር ዝተፈላለዩ ምሕዝነታዊ ውድድራት ስፖርት፣ ውድድራት ሕቶን መልስን ሙዚቃዊ ምርኢታትን ምንቅስቃስ ክለባት ግብሪ ንልምዓትን ብምክያድ ንሞዴላት ከፈልቲ ግብሪ በቢ ብርኩ ኣፍልጦ ክወሃቦም ከም ዝግበር ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ምሕረት በየነ ሓቢረን።

 34

 

ኣብቲ ሓበራዊ መድረክ ልምዓታውን ዲሞክራስያውን ኣተሓሳስባ ፈጢርካ ፍትሓውን ተመጣጣንን ግብሪ ምእካብ ወሳኒ ብምኻኑ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ሓደ ምእኸል ቦታ ብምኻን ኣብዚ ክረምታዊ መደብ ሓበራዊ ግልጋሎት ክወሃብ ይግባእ ክብላ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ምሕረት በየነ ኣተሓሳሲበን።

 

                                                            ብደጋፊ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ