top
logo

ሕትመታት

Written on 26/10/2020, 08:58 by admin
2020-10-26ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ጥቅምቲ 7/ 2013 ዓም ኣብ ወረዳ እንደርታ ከባቢታት ጣብያ ለምለምን ጣብያ ዓራቶን ዓሲሉ ዝነበረ ከቢድ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምምካት ፃዊዕት ህዝብን መንግስትን ኣኽቢሮም ብጉልበትን ሞራልን...
Written on 21/09/2020, 08:36 by admin
2013-6-8ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ቀደማይ ርብዒ ዓመት 2013 በጀት ዓመት ኣመልኪተን ንሚድያታትን ርክባት ህዝብን መግለፂ ዝሃባ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኣሰፉ ሊላይ ኣብዚ ቀደማይ ርብዒ ዓመት 693,597,350 ብር...
Written on 21/09/2020, 08:25 by admin
director-interviewትሸዓንተ ኣባላት ዝሓዘ ንኡስ ኮማንድ ፖስት ብብርኪ ክልል ብምጥያሽ ኣብ ተግባር ምዕራፍ ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን ኣብ ሓደ ቦታ ኮይኖም ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 እናተኸላኸሉ ስሉጥን ፅፉፍን ግልጋሎት ተዋሂቡ እዩ። ክረምታዊ መደባት በዓል...
Written on 19/03/2020, 11:55 by admin
2020-03-19-11-55-26በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ምኽባር ሕግታት ግብሪ ኣመልኪቱ ንክኢላታትን መተሓባበርትን ምኽባር ሕጊ ገምጋማዊ ስልጠና ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ፣ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ምኽባር ሕግታት ግብርን ታክስን ኣመልኪቱ...
Written on 11/03/2020, 13:48 by admin
2012በዓል መዚ ልምዓት እቶት ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ መንፈቅ ዓመት 2012 ኣመልኪቱ ምስ መሓውር ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ገምጋም ኣካይዱ፣ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ መንፈቅ ዓመት 2012...

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ምኽባር ሕግታት ግብሪ ኣመልኪቱ ንክኢላታትን መተሓባበርትን ምኽባር ሕጊ ገምጋማዊ ስልጠና ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ፣

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ምኽባር ሕግታት ግብርን ታክስን ኣመልኪቱ ንክኢላታትን መተሓባበርትን ምኽባር ሕጊ ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ኣብ ከተማ ኣክሱም ገምጋማዊ ስልጠና ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ፣

 

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ወናኒ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ምኽባር ሕግን ኢንተለጀንስን በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ታደሰ እዚ ገምጋማዊ ስልጠና ኣብ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ኣብ ምኽባር ወሰንቲ ዝኾኑ ኣብ ቅብሊት ዘይምቑራፅ፣ ዘይሕጋዊ ሕትመት ምጥቃም፣ ኣብ መሸጣን ክራይን ገዛ ዝረኣዩ ዘለው ዘይሕጋዊ ተግባራት ምስዋርን ምጭብርባርን ግብሪ ብምፍላይ ፍትሓዊ ግብሪ ንምእካብን ከምኡ እውን ሕጋዊ ዝኾነ መምሃሪ ስጉምትታት ንምውሳድ ዓቕሚ ዝፈጥር ከም ዝኾነ ገሊም።

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ኩሎም ሒሳብ መዛግብቲ ብሙሉእ ኦዲት ክምርመሩን ብመ”ናዕቲ መዓልታዊ መሸጣ ክድገፍ፣ ኣብ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ውሱናት ዓበይቲ ነጋዶን ዝረኣዩ ዘለው ዘይሕጋዊ ተግባራት ስወራ ግብሪ ፍሉይ ክትትል ክግበር ከም ዘለዎ ተሓቢሩ፡፡ ኣብዚ በጀት ዓመት ብር 6.717 ቢሊዮን ግብሪ ንምእካብ ተተሊሙ ክሳብ ፍርቂ ዓመት ብር 3.02 ቢሊዮን ዝተኣከበ ኮይኑ ካብ ዓመታዊ ትልሚ 44.99% ካብ ትልሚ ፍርቂ ዓመት ድማ 85% ከም ዝተፈፀመ ኣብቲ መድረኽ ቀሪቡ፡፡

ብወገን ተሳተፍቲ ድማ ካብዚ ገምጋማዊ ስልጠና ኣብ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ጠንኪሮም ብምስራሕ ኣብ ቁጠባዊ ዓርሰ ምርኮሳ ትግራይ በርቲዖም ከም ዝሰርሑ ቃል ኣትዮም።

 

 

                                                                 

 

                                        ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ

                          በዓል መዚ ልምዓት እቶት

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved